ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝረኣ ዘሎ ዛሕሊ ኣገልግሎታት የተዓናቅፍ ምህላው ተገሊጹ


 ኣብ ኣመሪካ ዝረኣ ዘሎ ዝሑል ኩነታት ኣየር
ኣብ ኣመሪካ ዝረኣ ዘሎ ዝሑል ኩነታት ኣየር

ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝበዝሐ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ዝተራእየ ብርቱዕ ቀዝሒን ዝሰዓበ በረድን ውርጪን ሓያሎ ኣገልግሎታት ምትዕንቃፉ ኣሶሸይትድ ፕረስ ገሊጹ።

እዚ ተርእዮ ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ፍልይ ዘብሎ ነተን ብተመጣጣኒ ኣዝዩ ዝሑል ሓጋይ’ውን ዘይፈልጣ ዝነበራ ክፍለ-ሃገራት ከም በዓል ፍሎሪዳን ቴክሳስን’ውን ዝሑል ኩነታት ኣየር ይርኣየለን ብምህላው'ዩ።

ሎሚ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ቴክሳስ ክሳብ 20 ደግሪ ፋራንሃይት ወይ ድማ -12 ዲግሪ ሰንቲግረድ ዛሕሊ ከም ዝተመዝገበ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ የመልክት።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብተን ደቡባዊ ክፍለ-ሃገራት ከም በዓል ቴክሳስ፡ ኦኮልሃማ፡ ኣርካንሳስን ልዊዝያናን ጽባሕ ረቡዕ’ውን ውርጪ ክወቅዕ ትጽቢት ከምዘሎ ትንበያ ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ ኣሚቱ ኣሎ።

ትማሊ ሰኑይ ንብርክት ዝበሉ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ኽዕጾ ድፍኢት ዝዀነ ሓያል ዛሕሊን ውርጪን ኣብ ዝተፈላለዩ መዕርፎ ነፈርቲ ኣመሪካ ክሳብ ልዕሊ 2,300 በረራታት ክስረዝ ልዕሊ 9-ሽሕ ድማ ክደናጎዪን ጠንቂ ከምዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ።

ትማሊ ሰኑይን ሎሚ ሰሉስን ኣብ ዝበዝሓ ምብራቓዊን ደቡባዊን ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ብሰንኪ ዘሎ ክቱር ቀዝሒ ኩሎም ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽዮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG