ኣብ ትግራይ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝፈሪ ቡን ኣብ ዕዳጋ ፅቡቕ ተጠላቢ ይኸውን ኣሎ። ኣብቲ ወረዳ ጣብያ ወረባየ ኣብ ምፍራይ ቡን ዝወፈሩ ሓረስቶት ፅቡቕ ዕዳጋ ይረኽቡ ከምዘለዉ እንተኾነ ሕፅረት ማይ የጓንፎም ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብ ወረዳ ወረባየ ዝርከቡ ሓረስቶት ዝበዝሑ ጫት ከፍርዩ ቡን ቦታ ስኢኑ ይብሉ። ኣብ ውሽጢ እቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግና መንግስቲ ንኣፍረይቲ ቡን ጠመተ ሂቡ ስለዘተባበዐ ፅቡቕ ለውጢ ከምዝተረኸበ ይገልፁ።
“ቡን ልክዕ ከም ነፍሰፁር ሰበይቲ ፍሉይ ክንክን ይሕትት። ማይ ብቐረባ ክረክብ ኣለዎ። ኮይኑ ግና እኹል ማይ ኣይረኸብናን። ኣብ ክልተ ሰሙን ሓደ ግዜ ክረክብ እናተገበኦ ዳርጋ ኣብ ዓመት እዩ ዝረክብ ዘሎ” ይብሉ ሓረስታይ ሞላ ኣርጋነ።
እቶም ሓረስቶት ዘፍረዩዎ ቡን ሒዞም ናብ ከተማ መቐለ ብምምፃእ ንህዝቢ ኣረእዮም እዮም። ነቲ ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ ምርኢት ቡን ትግራይ ብናቲ ስራሕቲ ሌላን ምዝንጋዕን ከምኡ እውን ብተኸስተ ትካል ስራሕቲ ምልላይ ዝተሰናደአ እዩ ነይሩ።