ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋጋ ካካዋ ኣብ ዝወሰኸሉ ካሜሮን ግን ዕድል ኣይገበረትን


ዋጋ ካካዋ ኣብ ዝወሰኸሉ ካሜሮን ግን ዕድል ኣይገበረትን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:08 0:00

ዋጋ ካካዋ ኣብ ዝወሰኸሉ ካሜሮን ግን ዕድል ኣይገበረትን

ኣብ ዓለም ዋጋን ጠለብን ካካዋ እናዓበየ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሮን 43% ናይ ጠቕላላ ቀረብ ካካዋ ኣብታ ሃገር ዘፍሪ’ዩ። እንተዀነ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዘሎ ጎንጺ፡ ፍርቂ ናይቲ ዕቑር ዓቕሙ’ውን ንምፍራይ ኣየበቕዐን።

ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ቲፉ ቮክቶሪን፡ ስድራኣ ሒዛ ነብሳ ንምድሓን’ያ ክትጽዕር ጸኒሓ። ኣብ ርእሰ-ከተማ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሮን ካብ ዝኾነት ቡያ፡ ኣስታት 25 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ፡ ሕርሻ ካካዋ ነይሩዋ።ኣብቲ ዞባ ኲናት ድሕሪ ምውላዑ ግን ሕርሻኣ ተራስዩ፡ መንበሪ ገዝኣ’ውን ዓንዩስ ኵሉ ዘጥረየቶ ንብረት ስኢና ነብሳ ኣብ ምድሓን እትጓየ'ላ።

ሎሚ ዋጋ ካካዋ ዓብዩ ምስ ረኣየት፡ ናይ ቀደም መነባብሮኣ ንኽምለስ ትሓልም።

“ኲናት ምስ ጀመረ ህይወተይ ዳርጋ ስኢነ ነይረ። ሕጂ ተስፋ ቆሪጸ’የ። ብዛዕባ ዘሎ ዕዳጋ ክሰምዕ እንከለኹ ግን ካብ ምሕላምን “እንተ ዝኸውን” ኢለ ካብ ምሕሳብን ኣየዕርፍን። ሕጂ ሕርሻ የብለይን፡ ናብ ዝኸዶ ስድራ’ውን የሎን። እታ እንኮ ክገብራ ዝኽእልን ዝገብራ ዘለኹን፡ ኣብዚ ኰይነ ንውሽጢ ምንባዕ’ያ።”

ዋጋ ካካዋ ድሕሪ ምውሳኹ፡ ገለ ሓረስቶት ናብቲ ብሰንኪ ምሕሳር ዋጋ ዝገደፉዎ ሕርሻ ተመሊሶም፡ ስራሓቶም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ካብ መንጎኦም ሰኪስ ኣይነህ፡ ዋጋ ካካዋ በዚ ዘለዎ ተጠላብነት እንተቐጸለ ብዝብል ተስፋ ነቲ ናይ ቀደም ሕርሻኡ ኣማዕቢሉ፡ ሓድሽ’ውን ክውስኽ መደብ ኣለዎ።

“ዋጋታት ከሚካላትን ጸረ-ባልዓትን ምስ ከበረ፡ ከምኡ’ውን መጠን እቶት ምስቲ ወጻኢታት ምትዕርራይ ምስ ኣበየ ዝገደፍኩዎ ሕርሻ ነይሩ። ካብ ሓንጎለይ ሰሪዘዮ ዝነበርኩ ሕርሻ’ዩ። ዋጋ ካካዋ ምስ ወሰኸ ግን ሕጂ ናብኡ ተመሊሰ ንምብርባሩ ይሰርሕ ኣለኹ።”

ኣብታ 43% ናይ ጠቕላላ መጠን ካካዋ እተፍሪ ዝነበረት ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሮን፡ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት መብዛሕትኦም ሓረስቶት ናብ ካልእ ስፍራ ግዒዞም’ዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ 2022-2023፡ ካሜሮን ናይ 11.2% ምጉዳል እትዋት ካካዋ ኣጓኒፉዋ።

ከም ጸብጻብ ሃገራዊ ማሕበር ኣፍረይቲ ካካዋን ቡንን ካሜሮን፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝበጽሑ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ውጽኢት ካካዋ ዝምርኰሱ’ዮም። ንሓንቲ ኪሎ ካካዋ ሓደ ዶላር ዝነበረ ሕጂ ናብ ትሽዓተ ዶላር’ዩ ክብ ኢሉ።

እዚ ዕብየት ዋጋ ኣብ ካሜሮን ቅድሚ ሎሚ ኣይተራእየን። ሓረስቶት ማዕረ’ቲ ዝገበሩዎ ጻዕሪ፡ ተረባሕነቶም ከይጉድል ብምባል እምበኣር’ዩ ሚኒስትሪ ሕርሻን ልምዓት ገጠራትን ኣብቲ ጉዳይ ብፍሉይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝሕብር።

ጃክሰን ንታፒ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሮን ሓላፊ ኣሃዱ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን’ዩ።

“ወሰኽ ዋጋ ካካዋ ምምሕያሽ መነባብሮን ዕብየትን ሓረስቶት ማለት ከም ዘይኰነ ኣስተውዒልና ኣሎና። ገለ ሰብኡት ገንዘብ ምስ ገበሩ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ክምርዓዉ፡ ክሰትዩን ክድሰቱን ንዕዘብ ኣሎና። ነቲ ዝረኸቡዎ ገንዘብ ተመሊሶም ስለ ዘየውፍሩዎ ሃብቶም ቀጻልነት ኣይክህሉዎን’ዩ። ጸኒሑ ዋጋ ካካዋ ምስ ጎደለ፡ ናብቲ ዝነበሩዎ ድኽነት’ዮም ክምለሱ፡”ይብል እዚ በዓል መዚ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ዞባ። ነቲ ዝተዓዘቡዎ ጉድለት ኣተሓሕዛ ንምእራም ድማ ማሕበራት ኣፍረይቲ ካካዋ መስሪቶም፡ ናብቶም ሓረስቶት ብምኻድ፡ ብኸመይ ኣብ ዘላቒ ወፍሪ ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣብ ምምኻርን ኣንፈት ምሓዝን ይርከቡ። ካብ መንጎ’ቲ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ሕጂ ዋጋ ካካዋ ኣብ ዝዓበየሉ እቶቶም’ውን ስለ ዝወሰኸ፡ ንዓመታት ዘጻንሖም ድዅዒን ጸረ-ባልዓትን ገዚኦም ክኽዝኑ የተባብዑዎን ይሕግዙዎምን።

ኣብ ርእሲኡ ኣብ ኣገባብ መነባብሮኦም ገለ ለውጢ ክገብሩን ናይ ምሕሻሽ ባህሊ ከውግዱን’ውን እቲ ኣሃዱ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ምምካር ይርከብ።

መንግስታውያን ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብዚ ኣፍሪቕናዮ ዘሎና ዓመተ 2024፡ ዋጋ ካካዋ ድሕሪ ምንሃሩ፡ ፍርያምነት ኣብ ካሜሮን ዓብዩ ኣሎ። ገለ ካብቲ ድርኺት ምምላስ ሓረስቶት’ዩ። እቶም ሕጂ ዘልምዑ ዘለዉ ሓረስቶት ኣብ ተሓዳሲ ወፍሪ ምስ ዝዋፈሩ ድማ ሃገራዊ ውጽኢት ካካዋ ካሜሮን ክዓቢ ምዃኑ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ይገልጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG