ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 372 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምምላሶም ኣፍሊጦም


ፋይል
ፋይል

ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ካብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር ቱኒስ ኣስታት 250 ኪ.ሜትር ርሒቃ ካብ ትርከብ ወደባዊት ከተማ ስፋክስ ብሓንቲ ንእሽቶይ ጀልባ ጌሮም ካብታ ሃገር ክወፁ ዝፈተኑ 372 ስደተኛታት ከምዝመለስዎም ተገሊፁ።

ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ነታ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረትን ንሓደጋ ማዕበል ተቃሊዓ ዝነበረትን ጀልባ ኣርኪቦም ንምግትኣ ፈጣናት ጀላቡ ከምዝተጠቅሙ ተገሊፁ’ሎ።

እቶም ስደተኛታት እታ ጀልባ ናብቲ ዓለምለኸ ማያት ከተብፅሖምን ብድሕሪኡ መራኽብ ህይወት ኣድሕን ናብ ኤውሮጳ ክወስድዎም ተስፋ ጌሮም ምንባሮም ንሪፖርተራት ገሊፆም።

ባሕሪ ኣብ ዝሃድኣለን ለይትታት ስደተኛታት ዝፀዓና ጀላቡ ካብቲ ወሰን ማያት ቱኒዝያ ከም ዝበገሳን ግን ብሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ከምዝምለሱን ሰበስልጣን ይገልፁ። እቶም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩን ናብ ቱኒዝያ ክምለሱ ዝተገብሩን ስደተኛታት ዜጋታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ቱኒዝያ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስርሖምን መንበሪ ኣባይቶምን ብምስጓጎም ኣብ ትሕቲ ፀቅጢ ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG