ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሰልጣኒ ኣትለት ገንዘቤ ዲባባ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ብምሃብ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ


ኣሰልጣኒ ጃማ ኣደን
ኣሰልጣኒ ጃማ ኣደን

ንናይ ዓለምና ሻምፕዮን ኣትለት ኢትዮጵያዊት ገንዘቤ ዲባባ ዝርከብኦም ንካልኦት ፍሉጣት ጎየይቲ ዘሰልጥኑ ጃማ ኣደን ሓይሊ ዝውስኽ መድሓኒት ንጎየይቲ ሂቦም ብዝብል ጥርጣረ ተኣሲሮም።

ፖሊስ ስፐይን ስሞም ንዘይጠቐሶም ካልኦት ክልተ ሰባት ኣሲሩ ይምርምር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሶማልያዊ መበቆል ዘለዎ ዜጋ ብሪጣንያ ዝኾነ ጃማ ኣደን: ኣብ 80ታትን 90ታትን ተቐዳዳማይ ጉያ ማእኸላይ ርሕቐት ዝነበሩ ክኾኑ ከለው: ንገንዘቤ ዲባባ ወሲኽካ ንኢትዮጵያ ኢብራሂም ጀላንን ዳዊት ወልዴን ፣ዜግነተን ለዊጠን ንዓረብ ኤሜረት ወኪለን ዝጎያ ቤተልሄም ደሳለኝን መዲና መሓመድን ከምኡ እውን ንባሕሬን ወኪላ ትወዳደር ሚሚ በለጠን ንጅቡቲ ዝወዳደር ሱሌይማን ኣያልነህ የሰልጥኑ።ጃማ ኣደን ኣምኻሪ ጋንታ ኳታር እውን እዮም።

ፖሊስ ስፐይን ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ "ትማሊ ንኽልተ ሰባት ኣሲርና ኣለና።ሎሚ ኽኣ ካሊእ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒልና ኣለና" ክብል መግለፂ ሂቡ። ኣደን ኣብዝዓረፈሉ ክፍሊ ዝተኸልክለ ሓይሊ ዝውስኽ መድሓኒት ተረኺቡ ክብል ፖሊስ ወሲኹ ገሊፁ’ሎ።

ብርክት ዝበሉ ኣትሌታት ዓለም ልምምድ ጉያ ንምክያድ ኣብ ከተማ ሳባዴል ከምዝነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG