ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ናይ ቅድም ፕረዚደትን ዶናልድ ትራምፕን ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ መደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን ፈላሚ ክትዕ ኣካዪዶም። ኣብዚ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ክትዕ፡ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ንዝመጽእ እብረ ስልጣን ብቑዓት ምዃኖም ከርእዩሉ ዝፈተኑ’ዩ ነይሩ።
ባይደንን ትራምፕን ስለምንታይ ንዓኣቶም ክመርጹዎም ከም ዘለዎም ቃሎም ሂቦም ኣለዉ። ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ ብመንገዲ መደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን ዝተኻየደ ህዝባዊ ክትዕ፡ ትራምፕ ቍጠባ ኣመሪካ ከም ዝተባላሸወን የንቆልቍል ምህላዉን ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ባይደን ንቝጠባ ኣመሪካ ንምቕታል ከም ዝሰርሐ ድማ ይኸስስ። ፕረዚደንት ባይደን ብወገኑ፡ ነቲ ካብ ትራምፕ ዝተረከቦ ዝላሕለሐ ቍጠባ ከረጋግኦ ከም ዝኽኣለ ይምጕት። እንተዀነ ኣብቲ ናይ ትማሊ ክትዕ፡ ተወሳኺ ክስራሕ ከምዘሎ ኣይሓብአን።
ከም መጎተ ፕረዚደንት ባይደን፡ ምምሕዳሩ ብቐንዱ ንድኻታት ስድራቤታት ንምሕጋዝን መነባብሮኦም ንምምሕያሽን’ዩ ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ዘሎን ጸኒሑን።
እቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ኣዝዩ ተቐራራርቢ ምዃኑ ዳህሳስ ርእይቶ ህዝቢ የርእዩ። ካብ መንጎ’ቶም ንመረጽቲ ዘገድሱ ቀንዲ ዛዕባታት ድማ ጉዳይ ቍጠባን ስደተኛታትን ኰይኖም ኣለዉ።
ትራምፕ ዘይሕጋውን ዝበሎም ስደተኛታት ንስራሕ ኣመሪካውያን ይወስዱ ምህላዎም ይዛረብ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ብደቡብ ኣመሪካ ኣቢሎም ዝኣትዉ ስደተኛታት ገበነኛታትን ኣብ ስርቂ፡ ጾታዊ ዓመጽን ኣወላፊ ሓሽሻትን ዝተዋፈሩ’ዮም ይብል።
ባይደን ግን ምስቲ ሓሳብ ኣይሰማምዕን። እኳ ደኣ ትራምፕ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንስድራቤታት ዝፈሊን ቆልዑ ዘዝኽትምን ፖሊሲ ኣተግቢሩ ኢሉ ይነቕፎ።
ፕረዚደንታውያን ተወዳደርቲ ኣብቲ ናይ ሲኤንኤን ክትዖም’ውን መርገጺኦም ኣብ ጉዳይ ዩክሬንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ተሓቲቶም ነይሮም። ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ኲናትን ኣብ መንጎ መራሕቲ ፕረዚደንታት ቭላድሚር ፑቲንን ዘለነስኪን ዘሎ ፍልልይ ዘላቒ ፍታሕ ከምጽኣሉ ምኸኣልኩ በሃላይ’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ እንተ ተዓዊቱ፡ ገና ኣብ ጥሪ 20 ቃለ-ማሕላ ቅድሚ ምፍጻሙ’ውን ነቲ ኲናትን ፍልልይን ክፈትሖ ምዃኑ ትራምፕ ተዛሪቡ።
ባይደን ግን ትራምፕ ንመሻርኽቲ ሃገራት ክሕግዝ ቅሩብነት ስለ ዘይብሉ፡ ንመራሒ ሩስያ ከም ዝሻድን ገይሩዎን እቲ ኲናት ድማ ናብ ኤውሮጳ ክስፋሕፋሕ ተራ ተጻዊቱን በሃላይ’ዩ።
ከም ምጉት ባይደን ፑቲን ብቐንዱ ንዩክሬን ንምጕባጥ’ዩ ድሌቱ ይብል። ሕልሙ ኣብኡ እንተ ዘይተገቲኡ ድማ ናብ ዝቕጽላ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ፖላንድን ቤላሩስን ከስፋሕፍሕ’ውን ተኽእሎ ኣለዎ ይብል።
ትማሊ ብመደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝቐልጠፈ ምዃኑ’ዩ። ተወዳደርቲ ገና ካብ ሰልፎም ወግዓውያን ተወዳደርቲ ምዃኖም ቅድሚ ምግላጾም’ዮም ነዚ ክትዕ ኣካዪዶም። እቲ ዝቕጽል ክትዕ ድማ ንወርሒ መስከረም’ዩ ተታሒዙ ኣሎ።
ቅጥዒ