ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂላሪ ክሊንተን ኣብ መባእታዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሰልፊ ደሞክራት ዋሺንገትን ዲሲ ተዓዊተን


ኣብ መባእታዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ተወዳዳሪት ሰልፊ ደሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ትማሊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ርእሰ ከተማ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መወዳድርተን በርኒ ሳንደርስ ተዓዊተን።

እቲ ዓወት ን ሂላሪ ክሊንተን ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራት ክኾና ከምዘኽኣለን ድማ ተፈሊጡ።

ሂላሪ ክሊንተን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ፊላደልፍያ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራት ብወገዒ ሕጽይቲ ሰልፊ ክኾና እየን።

ክሊንተንን ሳንደርስን ድሕሪቲ ትማሊ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ብተወሳኺ ተፈሊጡ። ክሊንተን ኣብቲ ናይ ትማሊ ናይ ዋሺንገትን ዲሲ መባእታዊ ምርጫ 78 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ እየን ተዓዊተን። መወዳድርተን ሳንደርስ ድማ 21ሚእታዊት ድምጺ ከምዝረኸቡ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG