ሚንስተር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን የካይደኦ ኣብ ዘለዋ ናይ ኣፍሪቃ ናይ 10-መዓልታት ዑደተን ኣብ ደቡብ አፍሪቃ ተረኺበን ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ መደረ አስሚዔን።
ኣብቲ ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ዌስተርን ኬፕ ዘስመዔኦ መደረኤን ተማሃሮ'ቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ቃልሲ ፀረ-አፓርታይድ 'ዋልታ' ክብላ ገሊፀንኦም።
ደቡብ አፍሪቃውያን ንውርሻ ኔልሰን ማንዴላ ክዕቅቡን እታ ሃገር ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዲሞክራስን ሰብአዊ መሰላት ንክኽበርን አበርክቶ ንኽህልዋ'ውን ፀዊዔን።
ሂለሪ ክሊንተን ነዚ ናይ አፍሪቃ ዑደተን ብዳካር ሴኔጋል ዝጀመራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ። ሂለሪ ክሊንተን ዩናይትድ ሴተይትስ ፀጥታን ዲሞክራስን ዘጠናኽር ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓባራዊ ረብሓ ዝሕግዝ ሽርክና ከምትደሊ ገሊፀን።
ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ