ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወከልቲ 60 ሃገራት ብዛዕባ ሊብያ ንምዝታይ ኣብ ፓሪስ ተኣኪቦም


ስርዓት ሞኣመር ጋዳፊ ኣብዘብቅዐሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኮንፈረንስ ሊብያ ዝተረጋግአ ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ንኽትተክል ንምሕጋዝ ዝጠመተ እዩ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሂላሪ ክልንቴንን ካብ 60 ሃገራት ዓለም ዝተዋፅኡ ካልኦት ሰበስልጣንን ብዛዕባ ስግግር ዲሞክራሲያዊ ሊብያ ድሕሪ ሞኣመር ጋዳፊ ንምምካር ኣብ ፓሪስ ተኣኪቦ።መራሒ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሊብያ/NTC/ ሙስጣፋ ኣብድል ጃሊል ናይ NTC ህፁፅ ጠለባት ከቕርቡ ትፅቢት ይግበር።


ፈረንሳይ ነቲ ኣኼባ ዝፀውዐት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሊብያ/NTC/ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ንትሪፖሊ ንምቁፅፃር ንቕድሚት ይግስግስ ኣብዝነበረሉ እዋን ነይሩ።ስርዓት ሞኣመር ጋዳፊ ኣብዘብቅዐሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኮንፈረንስ ሊብያ ዝተረጋግአ ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ንኽትተክል ንምሕጋዝ ዝጠመተ እዩ።


ኣብቲ ኮንፈረንስ ‘መሓዙት ሊብያ’ ዝሳተፋ በዝሒ ሃገራት ኣብቀራባ ማዕልታት ኣዚዩ ወሲኹ’ሎ።ሩስያን ቻይናን ሓዊሱ ነቲ ሓድሽ ገዛኢ ማለት እውን ንNTC ኣፍልጦ ዘይሃባ ቁልፊ ሃገራት እውን ክሳተፋ እየን።
ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ካብ ናይ ክረምቲ ዕረፍተን ዘቛረፃ ምስንቴር ጉዳያት ወፃኢ ሂላሪ ክልንቴን ከምዝገለፃኦ ኣብቅድሜና ዘለዋ ሰሙናት ንሊብያ ወሰንቲ እየን ኢለን።ማሕበርሰብ ዓለም ንNTC ኣብምሕጋዝ ቆራፅ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ምስበላ እቲ ስግግር ግን ብሊብያዊያን ዝምራሕ ክኸውን ኣለዎ ኢለን።


ዩናይትድ ስቴትስን ካልኦት ሃገራትን ብኮምቴ ማዕቐብ ሕቡራት መንግስታ ኣቢለን ንኸይንቀሳቐስ ዝተኣገደ ሃብቲ ሊብያ ናይ ምስዳድ ከይዲ ጀሚረን ኣለዋ።ገለ መራሕቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ግን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሊብያ ነቲ ኣብ 1988 ኣ/ፈ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፓንኣም ጀት ብምፍንጅዳር ዝተፈረዶ ሊብያዊ ዓብድል ባሳት ኣል-መግራሒ ክሳብ ዘረክብ ሂላሪ ክልንቴን እቲ ገንዘብ ተታሒዙ ንኽፀንሕ ክገብራ ይድልዩወን።


ወሃቢት ቃል ምስንቴር ጉዳያት ወፃኢ ቪክቶሪያ ኑላንድ ግን NTC ካብ ጉዳይ መግራሒ ዝዓበዩ ቀዳምነት ዝወሃቦም ህፁፅ ጉዳያት ኣለውዎ ይብላ።ኣብ ፓሪስ ዝዝተየሉ ካሊእ ቁልፊ ጉዳይ ናብ ሊብያ ዓቃቢ ሰላም ናይ ምልኣኽ ሕቶ እዩ።ፍሉይ ኣማኻሪ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙን ዝኾኑ ኢያን ማርቲን ኣብ ትልሚ ድሕረ ግጭት ናይ NTC ድልየት ናይ ወፃኢ ምኽሪ እምበር ወታደራት ከምዘይኮነ ኣፍሊጦም ኣለው።


ነቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሊብያ ዛጊድ ኣፍልጦ ዘይሃበት ቻይና’ውን ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፍ ልኡኽ ናብ ፓሪስ ምልኣኻ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ቻይና ማ ዛክሱ ኣረጋጊፆም ኣለው።
ኣብቲ ኣኼባ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሊብያ ሓድሽ ሕገ መንግስትቲ ንምውፃእን ምርጫ ንምካይድን ዘኽእል ናይ 18 ኣዋርሕ ሓባሪ መንገዲ ከቕርብ ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG