ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂለሪ ክሊንተን ዩናይትድ ስቴትስ ንሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ተወሳኺ ረድኤት ክትህብያ ኢለን


Secretary of State Hillary Rodham Clinton
Secretary of State Hillary Rodham Clinton

ዩናይትድ ስቴትስ ደርቅን ጥምየትን ንኽቃለሳ ንሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ንምሕጋዝ ናይ 17- ሚልዮን ተወሳኺ ረድኤት ከምትህብ አፍሊጣ።

ነዚ ዝገለፃ ሚኒስትሪ ወፃኢ አሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን፡ ካብቲ 17- ሚልዮን ዶላር እቲ 12-ሚልዮን ዶላር ናብታ ብደርቅን ጥምየትን ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሶማል ከምዝኸይድ አፍሊጠን።

ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ዓለም-ለኸ ፖሊሲ ምግቢ ኣብ ዘስምዕኦ ዘረባ ኣብ ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ዝርአን ዝስማዕን ዘሎ ደርቂን ጥምየትን ንፈለማ እዋን አይኮነን ኢለን።

አስዒበን እዚ ዓንኬል'ዚ ክተርፍ ዘይክእል ነገር አይኮነን ዓለም'ውን ንጥምየት ሕሉፍ ታሪኽ ንምግባር ፍልጠት ናውትን ፍልፍላትን አለዋ'ዩ ኢለን።

ኣሜሪካ ዛጊድ 580- ሚልዮን ዶላር ሰብአዊ ረድኤት ነቲ ዞባ ሂባ'ያ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝገለፀቶ 105- ሚልዮን ዶላር ይሕውስ።

ሚኒስተር ወፃኢ አሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን እቲ ኣብ ቀርኒ አፍሪቃ ዘሎ ኩነታት አብዚ እዋን ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ፅንኩር ሰብአዊ ኩነታት'ዩ ኢለን።

XS
SM
MD
LG