ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስግኣት ፈጠራ ራዕዲ ንምግታእ ሓያል ምትሕግጋዝ ከምዝጠልብ ሂለርይ ክልንተን ገሊፀን


ስግኣት ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን፣ንሓያል ምትሕግጋዝ ኣካላት ኣገልግሎትን ሕግን ዝፅውዕ ምኻኑ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ቱርክ ገሊፀን።

ሂለርይ ክልንትን ኣብ ዘረበአን፣ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ቀንዲ ኣካል ኣል-ቃይዳ ዳርጋ ይሳዓር‘ሎ፣እንተኾነ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጫጪሖም ስለዘለው እቲ ስግኣት ሎሚ‘ውን ኣሎ ኢለን።

”ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ማሊ፣ሶማልያን የመንን ቦታ ሒዞም‘ለው።ኣብ ናይጀርያን ዞባ ማግረብን ተደጋጋሚን መጥቃዕቲን ህውከትን ይፈጥሩ‘ለው።ኣብ‘ዚ ኣብ ቱርኪ‘ኳ፣PKK ንህይወት ኣሻሓት ንዝበልዐ ግብሪ ሸበራን ዓመፅን ቀፂሉ‘ሎ” ይብላ ንሰን።

ወ/ሮ ሂለርይ ክልንተን ኣብ‘ቲ ዓለም-ለኻዊ ኮንፈረንስ ስግኣት ግብረ-ሸበራ ኣብ ዘስመዐዖ፣ኣድማሳዊ ዝምድና ኣብ ዘፈራት ሲቪላዊን ወትሃደራውን፣ ኣብ ሞንጎ ኣኽበርቲ ሕጊ፣ዲፕሎማሲ፣ምዕባለን ሰብኣዊ ሓገዛትን ክህሉ ይግባእ ኢለን።

ንሰን ወሲኸን“መርበብ ግብረ-ሸበራ ንምድምሳስ፣ስግር ስዕረት ዕጡቃት ግብረ-ሸበራ ኣብ ዓውዲ ኲናት ክንሪኢ ኣለና።ምንጪ ፋይናንስ፣ምልመላን ሓራ መርየቶምን ክንወፍር ይግባእ።ናብ መንእሰይ ንዘሕልፍዎ መልእኽቲ ክንስዕሮ ይግባእ” ኢለን።

ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ዝተወለዐ ህዝባዊ ማዕበል፣ ንርእዮተ ዓለም ፅንፈኛታት ፅቡቅ ገይሩ ይስዕር ኣሎ ዝበላ ሂለርይ ክልንተን፣ኣብ‘ቲ ዞባ ዝራኣይ ለውጢ፣ኣንፃር ጉጅለታት ፈጠራ ራዕዲ ንምውፋር ጥጡሕ ባይታ ይፈጥር‘ሎ ኢለን።

XS
SM
MD
LG