ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈላለየ ትፅቢት መንግስትን ተቃወምትን ኢትዮጵያ ካብ ዑደት ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜርካ ሂለሪ ክሊንተን


ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ ኢትዮጵያ ን'2 መዓልታት ዑደት ክገብራ'የን። ሰንበት ኣዲስ አበባ ዝአትዋ ሚስ ሂለሪ ክሊንተን ንኢትዮጵያ ዝበፅሓ ዝለዓላ በዓልቲ-ስልጣን ምምሕዳር ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ክኾና'የን።

እተን ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜሪካ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ክዘራረባ'የን። ብደገፍ ሃገረን ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት'ውን ክበፅሓ'የን። ኣብ ኣደራሽ ኣፍሪቃ'ዉን ተረኺበን ዘረባ ክገብራ ትፅቢት ይግበር።

እዚ ናይ ሂለሪ ክሊንተን ዑደት ንብርኪ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ከምዘዕብዮ ሚኒስተር ወፃኢ ኢትዮጵያ ይአምን። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ን"ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ'ውን ነዚ'ዮም አንፀባርቆም።

ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ፕሮግራም ዑደት ሚኒስተር ወፃኢ ሂለሪ ክሊንተን ቅሬታ አለዎም። ኣብ መድረኽ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ዝኾኑ ዶ/ር መራራ ጉዲና እተን ሚኒስተር ኣሜሪካ ንመራሕቲ ተቃውሞ ከዘራርባ ከምዝነበረን'ዮም ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ምስተን ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜሪካ ዝዘራረብሉ መርሃ-ግብሪ ከምዘይተታሕዘሎም ዝገለፁ ተቃወምቲ እተን ሚኒስተር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ክራኸባ ኸለዋ ክልዕለኦም ይግባእ ዝብልዎም ነጥብታት ብኤምባሲ አሜሪካ ኣቢሉ ንኽበፅሐን ይፍትኑ ከም ዘለው ካብ መድረኽ ዝኾኑ ዶ/ር መራራ ጉዲና ገሊፆም።

መንግስቲን ተቃወምቲን ኢትዮጵያ ካብ ዑደት ሂለሪ ክሊንተን ዝተፈላለየ ነገር ትፅቢት ይገብሩ። እተን ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜሪካ ዝገብረኦ ምይይጥ ትሕዝቶን ውፅኢቱን ግን ድሕሪ ዑደተን'ዩ ዝፍለጥ።

XS
SM
MD
LG