ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴሞክራቲክ ፓርቲ ንሂላሪ ክልንቴን ፕሬዝዳንታዊ ሕፅይቲ ምርጫ 2016 ገይሩ ብወግዒ ሰይሙወን


ዴሞክራቲክ ፓርቲ ንሂላሪ ክልንቴን ፕሬዝዳንታዊ ሕፅይቲ ምርጫ 2016 ገይሩ ብወግዒ ሰይሙወን።ሂላሪ ክልንቴን ንቀንዲ ፓለቲካዊ ፓርቲ ብምውካል ፈላመይቲ ሕፅይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይነን ኣለዋ።ሪቻርድ ግሪን ዝለኣኾ ፀብፃብ ገብረ ገብረመድህን ከቕርቦ እዩ።

ሂላሪ ክልንቴን ናብ ዋይት ሃውስ ንምእታው ኣብ ዝገብርኦ ጉዕዞ ተነሓናሒአን ዝነበሩ ሰንተር​ በርኒ ሳንደርስ ትማሊ​ ብወግዒ ደጊፎምወን።

ንሶም​: " ዝኸበርክን ኣዶ መንበር ኩሎም ድምፅታት፣ብወከልቲ ዝተውሃበ ኩሉ ድምፂ ኣብ ወግዓዊ መዝገብር ክቕመጥ፣ሂላሪ ክልንቴን ሕፅይቲ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ክኾናን ደጊፈ ኣለኹ" ኢሎም​።

ሰንተር​ ሳንደርስ ደገፍቶም ንሂላሪ ክልንቴን ክድግፉ ዘቕረቡዎ ፃውዒት ገሊኦም ኣይተቐበሉዎን።ኣማእቲ ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ብምውፃእ እቲ ዋዕላ ይካየደሉ ኣብዘሎ ኣዳራሽ ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ተቓውምኦም ገሊፆም።

ተሳተፍቲ ሂላሪ ንዝሃብኦ ነዊሕ ህዝባዊ ኣገልጋሎት ብምምጓስ መደረታት ኣስሚዖም።

በ​ዓል ቤተን ናይ ቀደም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ቢል ክልንቴን ሂላሪ ንስራሕቲ ናይ ሕጊ ጥብቅና፣ሰኔተርን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስን ምስ ሓዳሮም እናሓዋወሱ ዝርዝር ምስክርነቶም ሂቦም።

ቢል ክልንቴን: " ሰባት ‘ነዊሕ ስለዝፀንሐት ለውጢ ንደሊ ኢና’ይብሉ።ሓቂ እዩ ነዊሕ ፀኒሓ እያ፤ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዘሕለፈተን ሕድ ሕድ ዓመታት ዋጋ ዘለወን ምዃነን ግን ከረጋግፀልኩም እደሊ።…ኩሉ ግዜ​ እታ ኩዕሶ ንቕድሚት ክትኸይድ እዩ ድልየታ።ንመንነታ ዝገልፆ እዚ እዩ" ኢሎም​።

ሂላሪ ክልንቴን ትማሊ ምሸት ካብ ኒውዮርክ ብቪዲዮ ኣብዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ድማ​ " ከመይ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ክብሪ ኢኹም ሂብኩምኒ።….ምስጋና ይብፃሕኹም፣ሳላ ብፅኑዕ ዝተቓለስኩም ከምዚ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።እቲ ዓወት ናትኩም እዩ።ነዚ ንምክትታል ወይ ንምርኣይ ክትብላ ክሳብ እዛ ስዓት እዚኣ ዘይደቀስክን ኣናእሽቱ ኣዋልድ እንተድኣ ኣለኽን ዝዛረበክን ኣለኒ።ኣነ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዝዳንት ክኸውን እኽእል እየ፤ሓንቲ ካብ መንጎኽ እታ ትቕፅል ክትኸውን እያ" ኢለን።

ሂላሪ ክንልቴን ፕሬዝዳንታዊ ሕፅይቲ ምዃነን ብወግዒ ናይ ምቕባል መደረ ብምስማዕ ንሃገራዊ ዋዕላ ዴሞክራት ፅባሕ ሓሙስ ክዓፅውኦ እየን።

XS
SM
MD
LG