ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲሞክራሲ ንገሊኦም ሓደ ግዜ ምምራፅ ንዘልአለም ምምራፅ'ዩ ዝመስሎም- ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን


ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ አዲስ አበባ ንሕብረት አፍሪቃ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ዘተኮራሉ ዓለም አብ ቅድሚኣ ንዝተገተረ ዕንቅፋታት ብዘዕግብ ንምፍታሕ ምትሕብባር ናይ ግድን ምኻኑ 'ዩ።

ትኹረት'ቲ መደረአን ዲሞክራሲ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ሰላምን ፀጥታን'ዩ። ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክዛረባ ኸለዋ ዘበኑ ንዲሞክራሲ ኣፍሪቃ አዝዩ ዘነቃቅሕን ብዕዙዝ ተስፋ ዝመልእ'ዩ፣ ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ካብ ዘለዋ ልዕሊ ፍርቂ ሃገራት ዲሞክራሲን ሕገ-መንግስታውነትን ሕብረ-ፓርት ስርዓትን ተቀቢለን'ለዋ ብምባል ጠቂሰን።

ግን ኣዝዮም ዘተሓሳስቡ ጉዳያት ከምዘለው'ውን ኣገንዚበን። "ሎሚ'ውን ብዙሓት ሰባት ኣብ ትሕቲ ንንውሓት ዘመን ግዝአቶም ኣዝዮም ዝጭነቁን ብአገዛዚእኦም ኣብ ሃገራቶም ዝወርድ ጉድአት ግዲ ዘይብሎም ገዛእቲ ከም ዘለው ንፈልጥ" ኢለን።

"ሓደ ሓዲኦም'ውን ብዲሞክራሲ ከም ዝአምኑ ይዛረቡ፣ ብናታቶም ትርጉም ዲሞክራሲ ማለት ብሓደ ምርጫ ንዘልአለም ምምራፅ ማለት'ዩ" ክብላ'ውን ወሲኸን። ከምዚኦም ዝዓይነቶም ኣገዛዝአታት ግን ተቀባልነት ይስእኑ ከም ዘለው እተን ሚኒስተር ወፃኢ ኣሜሪካ አስሚረን።

ዕብየት ኢኮኖሚን ዘላቕነቱን ንምርግጋፅ ኾነ ሙሉእ ሕብረተሰብ ብመዳይ ምንቅስቃስ ክንዲ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ዝአክል ከምዘየሎ ዝገለፃ ሂለሪ ክሊንተን ደቀንስትዮ ኣፍሪቃ ድማ ፍሉይ ቦታ ከምዘለ'ውን አስሚረን።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG