ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋዕላ ፓሪስ ታሪኻዊ ዛዛሚን ኣሳሪን ውዕል ተበጺሑ


አብ ፓሪስ ክካየድ ዝቀንየ ዋዕላ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ታሪኻዊ ኣሳሪ ስምምዕ ተበጺሑ። ነቲ ሰነድ ወግዓዊ ዝገበሩ ሚኒስትር ወጻኢ ፈረንሳ ለውረት ፋብዩስ ‘እቲ ሰነድ ኣዝዩ ሰፊሕ፣ ርትዓዊን ኣብ ልዕሊ ኩለን ሃገራት ኣሳሪን ሕጋዊ ሰነድ’ዩ’ ኢሎም ገሊጾምዎ።

ብመሰረት’ዚ ውዕል 100 ቢልዮን ዶላር ንድኻ ሃገራት ክሳብ ዝቅጽላ 5 ዓመታት ክዋሃብ’ዩ። ህንዲ፣ ቻይና፣ ስዑድ-ዓረብ፣ ማሊዥያን ካልኦትን ግን ነዚ ተቃዊመን'ለዋ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ‘ነዛ ፕላኔትና ንምድሓን ዝተረፈና እንኮ ዕድል እዚ ውዕል’ዚ ጥራሕ’ዩ ነይሩ። ስለዚ እዚ መዋእል’ዚ፣ ነጥበ መቀይሮ’ዩ። ዓለም ንብድሆታት ለውጢ ኣየር ንምግጣም ድልየትን ተኽእሎን ከምዘለዎ ኣርእዩ’ሎ’ ኢሎም።

ቀዳም ኣብ ፓሪስ ንሰልፊ ዝወጹ ኣሻሓት ተሓለቅቲ ከባቢ ግና ‘እቲ ሰነድ ንሃብታማት ሃገራት ዘረብሕ’ዩ፣ ንዓለምና ንዝበከሉ ድማ ተሓተቲ ዘይገብር ውዕል’ዩ’ ኢሎም ተቃዊሞም።

እቲ ውዕል ዓለማዊ ዋዒ ቅድሚ ኢንዱስትሪያዊ መዋእል ናብ ዝነበረሉ መጠን ትሕቲ 2 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክምለስ ኣለዎ፣ ሃገራት ድማ መጠን ዘበርክተኦ ዋዒ ናብ 1.5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከጉድላ ኣለወን ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ዋዕላ ፓሪስ ታሪኻዊ ዛዛሚን ኣሳሪን ውዕል ተበጺሑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:54 0:00

XS
SM
MD
LG