አስመራ —
እዚ ብመንእሰያትን ተማሃሮ ድምጻዊያን ዝቐረበ ምርኢት ዝተፈላለየ ዓይነት ቅዲ ሙዚቃ ከም ሞዛርት፡ኒና ሲሞን ዝዓመሰሉን ናይ ገዲም ስነ ጥበበኛታት አተወ ብርሃን ኣብርሃም ኣፈወርቂን ስርሓት’ውን ብምድላው’ዩ ንምርኢት ቐሪቡ።
ኣብዚ መደብ ዝተሳተፉ መንእሰያት ሙዚቀኛታት ካብ ክሊ ዕድመ 10 -20 ዓመት ዝርኸቡ ኽኮኑ ኸለው ካብ መባእታ ደረጃ ትምህርቲ ክሳብ ተማሃሮ ኮሌጅ ዝሓዘ ጉጅለ ሙዚቀኛታት እዩ።
እዚ መደብ ኣብ 2011 ዓ.ም ብግዱሳት ውልቀሰባትን ወለዲ ተማሃሮ ሙዚቃን ዝጀመረ ኾይኑ ሎሚ ዓመት ንራባዓይ ጊዚኡ ከምዚ ዓይነት ምርኢት ምቕራቡ ይፍለጥ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።