ደሴ —
ኣብ ከተማታት ወልድያን መካነሰላም ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት 23 ሓምለ 2023 ኣብ መንጎ ዘይስሩዓት ዕጡቓት ጉጅለታትን ሓይልታት ፀጥታን ብዝተላዕለ ጎንፂ ብዉሑዱ ሰለስተ ሰባት ምሟቶም መሰኻኽር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ስሙ ከይግለፅ ዝሓተተ ዶክተር ካብ ወልድያ ሆስፒታል ካብ ቐዳም ጀሚሩ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰላማውያን ሰባትን ኣባላት ጸጥታን ናብቲ ሆስፒታል ንሕክምና ከምዝመጹ ሓቢሩ'ሎ።
መንግስቲ ንዘይስሩዓት ዕጡቓት ዕጥቆም ንምፍታሕን ናብ መሓውራት ጸጥታ’ታ ሃገር ንምውህሃድን ካብ ዝውስን ንደሓር ጸጥታዊ ኩነታት ክልል ኣምሓራ የንቆልቁል ምህላው ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ቅጥዒ