ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ብዝተላዕለ ግጭት 14 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ኦሞ ወረዳ ሳላማጎ ኣብ መንጎ ነገዳት ቦዲናን ዲማን ብዝተፈጠረ ግጭት 14 ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲ ከተማ ሃና ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ሽሞም ከይግለፅ ዝሓተቱ ሓደ ነባሪ ከተማ ሃና ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ሓዊሱ 14 ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ መንገዲ ኣድብዮም ዝጸንሑ ዕጡቓት ብሓንቲ ሞተር ብሽክሌታ ይጉዓዙ ካብ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ንክልተ ምስተቐተሉ ካብ ወገን መወቲ ድማ ሕነ ንምፍዳይ ተለዓዒሎም እቲ ግጭት ከምዝተስፋሕፍሐ ገሊፆም። ካልኦት መሳኻኽር ዓይኒ እውን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ሂቦም ኣለው።

ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ነቲ ከባቢ የረጋግኡ እንተሃለው'ውን ነበርቲ ከተማ ሃና ግን መጥቓዕቲ ከጋጥም ይክእል'ዩ ብዝብል ኣብ ስግኣት ከምዘለው ገሊፆም።

ናይቲ ዞባ ሓላፊ ሰላምን ፀጥታን ኣቶ ታደሰ ካየ ብቕትለት ክልተ ሰባት ዝጀመረ ግጭት ብሄረሰባት ቦዲናን ዲማን ተወሰኽቲ 11 ሰባት ምሟቶን ካልኦት ሽዱሽተ ምቁሳሎምን ኣረጋጊፁ። ንሱ ወሲኹ ፈፀምቲ ናይቲ ገበን ክሕተቱ ምስቲ ሕብረተሰብ ዝርርብ ምጅማሩ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG