ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ተቓወምቲ መንግስትን ዕጡቓት ሚሊሻ ሊብያ ዝተላዕለ ግጭት ንምርግጋእ እታ ሃገር ስግኣት ይፈጥር


ኣብ ሊቢያ ተፃባእቲ ሓይልታት መንግስትን ሚሊሺያታትን ንዓለምለኸ ሕግታት ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ መሰላትን ይጥሕሱ ኣለው፤እዚ ንምርግጋእ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ የውድቖ ኣሎ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

ሊዛ ሽለይን ካብ ጀኔቭ ዝለኣኸቶ ፀብፃብ ገብረ ገብረመድህን ከቕርቦ እዩ።መራሒ ሊቢያ ነበር ሞኣመር ጋዳፊ ምስ ወደቐ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ዕጡቓት ጉጅለታት ዓለምለኸ ኣፍልጦ ንዘለዎ መንግስቲ ሊቢያን ተቓዋሚ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያን ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ህውከት ይፈጥሩ ኣለው።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኬት ጊልሞር
ናይ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኬት ጊልሞር

ናይ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኬት ጊልሞር ዕጡቓት ጉጅለታት ሰባት ጅሆ ምሓዝ፣መስቀይትን መቕተልን ሓዊሱ ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይፍፅሙ ኣለው ይብላ።

“ሰባት ኣብ ሊቢያ በቲ ኩነታት ሓሚሞምን ሰልቺዩዎምን ኣሎ።ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ቆልዑ፣ደቂ ኣንስትዮን ሰብኡትን መዓልታዊ ነቲ ፅልዋ ይሪእይዎ ኣለው።ዝጉድኡ፣ዝጨውዩ፣ዝዕመፃ፣ዝሳቐዩን ዝቕተሉን ዘለው ስቪላት እዮም።”

እቲ ገበን ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ናብ ደረጃ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝዓረገ ጊልሞር ይገልፃ።።ሎሚ ኣብ ሊቢያ ዘሎ ሓቂ ሰባት ይስወሩ፣ቆልዑ ዒላማ ዝገበረ መቕተልትን መጭወይትን ፆታዊ ዓመፅን ይፍፅም፣ስደተኛታት ዝእሰሩሎም ስሩዓትን ዘይስሩዓትን ማእኸላት ዝኸፍአ ምዃኑ እውን ይገልጻ።

ነዚ መሰል ገበን ዝፍፅሙ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን(ICC) ክቐርቡ ሕቡራት ሃገራት ይፅውዕ።ጊልሞር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሊቢያ ይፍፀም ዘሎ መግሃስቲ ህይወት ሰባት የጥፍእ ኣሎ፤ፅባሕ ሰላም ክሰፍንዶ ይኸውን ንዝብል ተስፋ እውን ይሽርሽሮ ኣሎ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG