ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ወረዳታት አማሮን ጉጂን ዘጋጠመ ግጭት መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ነባሪ ፍታሕ ክምጽእ ኢሶዴፓ ጸዊዑ


ኣብ ኢትዮጵያ መንጎ ክልል ደቡብ ወረዳ አማሮን ኣብ ክልል ኦሮምያ ወረዳ ጉጂን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ንዝጠፍአ ህይወት 13 ሰባት፡ ንዝቖሰሉን ንዝዓነወ ንብረትን መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ መበገሲ እቲ ጎንጺ ንዝበሎ ምንቅስቃሳት ምስፍፋሕ ዶባት ብህጹጽ ደው ክብልን ነቲ ጎንጺ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ህጹጽ ስጉምቲ ክወሰድ አባል መድረኽ ዝኾነ ፓርቲ ሶሻል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ።

ምክትል አቦ መንበር ፓርቲ መድረኽ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ወረዳታት ክልል ደቡብ አማሮን ክልል ኦሮምያን ጉጂን ዝተላዕለ ጎንጺ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ጎንጺ ተላዒሉ ድሕሪኡ ናብ ብዙሓት ወገናት ተጋፊሑ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG