ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደብረ ታቦር ብደብዳብ ከቢድ ብረት ስቪላት ከምዝተቐተሉ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ጎንደር ገሊፁ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር እትርከብ ከተማ ደብረ ታቦር ትማሊ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ስቪላት ከምዝተቐትሉን ኣብ ዙሪያ እታ ከተማ ዘለው ጣቢያታት ሎሚ እውን ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተፈፀመንን ኣማሓዳሪ ደቡብ ጎንደርን ነበርትን ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣቶ ቀለምወርቅ ምህረቴ ሎማዕንቲ ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ኣብ መንበሪ ሓረስቶት ምውዳቖምን ዝወረደ ጉድኣት ግን ከምዘይፍለጥን ተዛሪቦም።

እቲ መጥቓዕቲ ስዒቡ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ካብ ከተማ ደብረታቦር ናብ ጎረባብቲ ከባቢታት ዝመዛበል ዘሎ በዝሒ ህዝቢ እናወሰኽ ምኻዱ ተሰሚዑ ኣሎ።

ትማሊ ኣብ ልዕሊ ከተማ ደብረታቦር ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ናይ ሓደ ስድራ ኣባላት ዝኾኑ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተለን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጉድኣት ከምዘውረደን ኣቶ ቀለም ወርቅ ምህሬቴ ንሬድዮ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው።

ንርእሱ ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ ኢሉ ዝፅውዕ ዕጡቓቱ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ጋምሳ ንዝተብሃለ ናይ ገጠር ዓዲ ብምድብዳብ ኣዕኒዮምዎ ዝብል ብ ዘ ቴሌግራፍ ንዝወፀ ፅሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ንዝፍፀም ዝኾነ ይኹን ናይ ጭካነ መጥቓዕቲ ብዘይማትእ ከምዝኹንን ብግላፅ መሰረት ዘይብሉ እዩ ክብል ነፂጉዎ ኣሎ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈፂሞ ዝብሃሉ ክስታት ገበናት ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዝስየም ኣካል ነፃ ምፅራይ ክግበር ሓቲቱ ኣሎይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው።

XS
SM
MD
LG