ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕጽል ይፅውዕ


ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘቋረፁዎ ሓገዝ ዳግም ንኽጅምሩ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ፀዊዑ። ዋና ዳይረክተር እቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ሄኖክ መለሰ ብዛዕባ እቲ መግለፂ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ፀገም ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ብምብፅሑ፡ እቶም ቅድሚ 20 መዓልታት፣ ናብቲ ክልል ትግራይ ዝግበር ዝነበረ ቀረብ ሓገዝ ኣቋሪፅና ኣለና ዝበሉ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ(USAID)ን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን (WFP) ውሳነኦም ንሚሊዮናት ተሓገዝቲ ዝሃሲ ስለዝኾነ፣መሊሶም ክርእዩዎን ነቲ ዘቋረፅዎ ሓገዝ ዳግም ክጅምሩዎን ፀዊዖም።

ዋና ዳይረክተር እቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ሄኖክ መለሰ
ዋና ዳይረክተር እቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ሄኖክ መለሰ

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፣ ድሕሪ ምቁራፅ ሓገዝ ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ከምዝገበሩን ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝተዓዘቡን ዘመልከቱ ኣቶ ሄኖክ፡ እቲ ተሓጋዛይ ሕብረተሰብ፡ ረድኤት ስለዘቋረፀ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ጥሒሉ ይርከብ ኢሎም። ስለዝኾነ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ነቲ ጉዳይ ልዑል ጠመተ ክገብሩሉ ኣተሓሳሲቦም። ኣቶ ሄኖክ ናይቶም ዓለምለኸ ትካላት ሓገዝ ናይ ምቁራፅ ውሳነ እኳ እንተዘይተቐበልዎ፣ ንረድኤት ዝመፀ ሓገዝ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ግን ግቡእ ኣይኮነን ብምባል ክፃረ ፀዊዖም።

ሓገዝቲ ትካላት ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካን ናብቲ ክልል ዝለኣኽ ሓገዛት ብብዝሒ ኣብ መሸጣ ይውዕል ኣሎ ብምባል እቲ ሓገዝ ምቍራጾም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG