ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ተኣጊደን ዝጸንሓ ኣብ ምሕላቕ ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪካዊ ምሕደራን ዝነጥፋ ሰለስተ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ እቲ ተነቢሩለን ዝጸንሐ እገዳ ከም ዝተላዕለ ንሓደ ካብ ኣባላት እተን ትካላት ብምውካስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
እተን ብበዓል-መዚ ሲቪካዊ ኣገልግሎት ኢትዮጵያ ተኣጊደን ዝጸንሓ ትካላት ማእከል ገስጋግ ንሰብኣዊ መሰላት ደሞክራሲን (CARD)፡ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (AHRE) ከምኡ’ውን ጠበቓታት ንሰብኣዊ መሰላት (LHR) ዝተሰምየ ኢየን።
እገዳ እዘን ትካላት ንኸም በዓል ህዩማን ራይትስ ዎች ዝሓወሰ ሓይሎ ትካላት ዓቢ ኩነኔ’ዩ ኣስዒቡ ጸኒሑ።
ብመሰረት መንነቱ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ካብቶም ትካላት ሓደ በዓልመዚ ሲቪላዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሎሚ ናብተን ትካላት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ካብ “ፖለቲካዊ ጸግዒ ናጻ” ኰይነን ክሰርሓ ብምጽዋዕ እቲ ዝነበረ እገዳ ከም ዝተላዕለለን ገሊጹ ኣሎ።
ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ እተን ሰለስተ ትካላት ኣብታ ሃገር ንዝቐረበ እማመ መራኸቢታት ዘለወን ተቓውሞ ድሕሪ ምስማዐን ከም ዝተኣገዳ’ዩ ገሊጹ ነይሩ። እቲ እማመ፡ ጉዳያት መዲያን መራኸቢታትን ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ክኣቱ ዝጠልብ’ዩ።
ቅጥዒ