ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ነበር ንምደባ ዝምልከት ዘቕረብዎ ጥርዓን ምላሽ ከምዘይረኸበ ይገልጹ


ሃዋሳ
ሃዋሳ

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ነበር ብዘይድልየቶም ናብ ዝተፈላለያ ክልላት ምምዳቦም ብዝምልከት ንዘቅረብዎ ጥርዓን ዛጊት መልሲ ከምዘይተዋህቦ ይገልፁ።

እቶም ሰራሕተኛታት ንጥርዓኖም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት መልሲ ከምዝዋሃቦም ተነጊሩዎም እኳ እንተነበረ ብዘይ ገለ መልሲ 15 መዓልታት ሓሊፉዎ ከምዝርከብ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ካብ 13 ነሓሰ 2015 ጀሚሩ ዝተጣየሱ መንግስቲ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያን ዘካይዶ ሰራሕተኛታት ናይ ምውዳብን ምጉዕዓዝን ስራሕ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝዛዘም ተገሊጹ።

ነዚ ብዝምልከት ምላሽ ካብ ቤትፅሕፈት ወዳቢ ፕሮጀክት ክልላት ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ መምህር ሕጊ ኣድማሱ ኣለማዮህ እቲ ተግባር ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጠሓሰ ምዃኑ ጠቂሶም ብኮሚቴ ሰማዒ ጥርዓን መልሲ ዘይወሃቦም እንተኾይኑ ግን ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG