ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀብፃብ ኣገባባት ምርመራ CIA ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣል-ቃይዳ


Dianne Feinstein
Dianne Feinstein

ኮሚቴ ስለያ ሰኔት ዩናይትድ ስቴትስ እታ ሃገር ኣንፃር ሽበራ እትካይዶ ኲናት ንምፍሻል CIA ዝተጠቐመሎምን ብዙሕ ትፅቢት ዝተገበረሉን ኣሰሓሓቢን ኣገባባት ምርመራ ትማሊ ሰሉስ ወግዓዊ ከይኮ’ሎ።እቲ ኣስታት 500 ፅሟቕ መጠቓለሊ ገፃት ዝሓዘ ስነድ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ ካሊእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ንክይፍፀም ዝከላኸል ካብ ጥርጡራት ኣሸበርቲ ሓበሬታ ንምርካብ ብማይ እስትንፋስ ምኽላእን ካልኦት ከበድቲ ስጉምትታት ምርመራን ምፍፃሞም ይዝርዝር።

ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ 11 መስከረም 2001 ኣ/ፈ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ስዒቡ ነዊሕ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀብፃብ ኣገባባት ምርመራ ኣገባባት CIA ብዝርዝር ሒዙ’ሎ።

ኣብ ሰኔት ዩናይትድ ስቴትስ ኣባል ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ኣዶመንበር ኮሚቴ ስለያ ስኔትን ዝኾና ዳያን ፈይንስታይን ማእኸላይ ስለያ ኣሜሪካ CIA ካብ ዝገባእ ንላዕሊ ከይዲ እዩ ይብላ። ወፂኡ ዘሎ ፀብፃብ CIA ኣብ ወፃኢ ሃገር እንተወሓደ 119 ሰባት ከምዝነበሩዎን ኣብ ገሊኡ መስቀይቲ ዘብሉ ኣስገዳድ ኣገባባት ምርመራ ምጥቃሙን ዝገልፅ እዩ ኢለን።

‘’ታሪኽ ኣብ ልዕሌና ፍርዲ ክህብ እዩ’’ ዝበላ ፌይንስተይን ኣስዒበን ‘’CIA ካብ ዝዛረበሎም ግን ድማ ዘየርአየና ውፅኢት ስለያ ወፃኢ ኣስገዳድ ኣገባባት ምርመራ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምራክብ ኣይሓገዙን’’ኢለን።

40 ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ ዝተገብረሉን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተኻየደን መስርሕ ምፅራይ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝበልዎ ዘረጋግፅ እዩ።’’ንገሊኦም ጥርጡራት ኣሳቒናዮም ኢና’’ኢሎም ነይሮም።

CIA ኣብፖላንድን ሩማኒያን ከምዝኣመሰላ ናይ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ዝነበሩ ሕቡኣት ኣብያተ ማእሰርቲ ዳርጋ ኣብ ውሽጢ ማይ ከም ምጥላቕ ዝቑፀር ብማይ ምትንፋስ ምሕፃር ኣገባባት ይፍፅም ምንባሩ ንዋይት ሃውስን ህዝብን ኣዐሽዩ ብዝብል ይኽሰስ።እቲ ፀብፃብ ናይ ባሕቲ መስከረም መጥቓዕቲ ቀንዲ ኣፈፃሚ ዝነበረ ኻሊድ ሸኽ መሓመድ 183 ግዜ ብማይ ምትንፋስ ክሓፅሮ ከምዝተገብረ ይገልፅ።

መርመርቲ CIA ንእሱራት ኣብ ፀቢብ ገዛ ምእሳር፣ንኣማእቲ ስዓታት ድቃስ ምኽላእን ሓበሬታ እንተድኣ ዘይሂቦም ስድኦም ጉድኣት ከምዝበፅሖም ምፍርራሕን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ፆታዊ ዓመፅ ንኽፍፀም ገይሮም ኣለው።

CIA ጌጋ ምስርሑ ኣሚኑ’ሎ።እንተኾነ ዳይረክተር CIA ጆን ብረናን እቲ ኣገባብ ምርመራ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍፀሙ ዝኽእሉ ሽበራዊ መጥቓዕትታት ኣፍሺሎም እዮም ይብሉ።ዩናይትድ ስቴትስ ንመራሒ ኣል-ቃይዳ ኦሳማ ቢን ላዲን ክትረኽቦ እውን ሓጊዙ እዩ ኢሎም እቶም ዳይረክተር ብምውሳኽ።እቲ ናይ ሰኔት ፀብፃብ ግን ምስዚ ኣበሃህላ ኣይሰማማዕን።

ሪፓብሊካዊ ሰኔተር ጆን ሚኬይን ንምውፃእ እቲ ፀብፃብ ካብ ዝደገፉ ሒደት ኣባላት ፕርቶም ሓደ እዮም።ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቬትናም ንሓሙሽ ዓተታትን ፈርቓን ናይ ኲናት እሱርን ግዳይ መስቀይቲን ዝነበሩ ሚኬይን 6,000 ገፅ ናይ ዝሓዘ ዘነድ እቲ መጠቓለሊ 500 ገፅ ዘለዎ ምውፅኡ ደገፎም ገሊፆም ኣለው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:38 0:00

XS
SM
MD
LG