ዋሽንግተን —
በዓል ልደት ኣውሮጳዊያን ፍልስጤማዊያን ኣብ ዘመሓድርዋ ከተማ ቤትልሔም ብዝሑል መንፈስ ተኸቢሩ ውዒሉ። እንተኾነ እቲ በዓል ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል ምዃና ኣፍልጦ ምሃቦም ስዒቡ ብዝተፈጥረ አኻታዒ ኩነታት ተጎልቢቡ’ዩ ምሕላፉ'ውን ተሓቢሩ።
ፍልስጤማዊያን ስካውት ኣብታ ጥንታዊት ቤት ክርስትያን ውጽእ ዝበለ ቦታ ትማሊ ስንበት ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ምኽያዶምን ኣብታ የሱስ ክርስቶስ ዝተወልደላ ከተማ ቤትልሄም’ውን በዓል ልደት ክርስቶስ ምኽባሩ እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ፍልስጤማዊያንን በጻሕቲ ሃገርን ናብቲ ቦታ ከይኸዱ ተጌሩ’ዩ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮማ ካቶሊክ ፍራንሰስ ንውሳኔ ኣሜሪካ ዘለዎም ተቓውሞ ብምግላጽ ንኹሉ ዝሓቆፍ መልእኽቲ በዓል ካብ ቫቲካን ኣብ ድሮ’ቲ በዓል ልደት ኣመሓላሊፎም።
ብካልእ ዜና ጓቲሟላ ኤምባሲኣ ናብ ከተማ እየሩሳሌም ከምትግዕዝ ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ትራምፕ ንከተማ እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃቦምን ኤምባሲ ሃገሮም ናብ ከተማ እየሩሳሌም ንምግዓዝ ከምዝወሰኑ ምፍላጦምን ንውሳኔ ኣሜሪካ ዝሰዓበት እንኮ ሃገር ጓቲማላ ምኳና ተፈሊጡ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።