ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊ ሴነተር ክሪስ ኩንስ ‘ብዛዕባ ኩነተ-ኢትዮጵያ ዝሃብዎ ሪኢቶ'


ሴነተር ክሪስ ኩንስ
ሴነተር ክሪስ ኩንስ

‘‘ኣብ ኢትዮጵያ እናጸበበ ይመጽእ ኣሎ ብዝበልዎ ፖለቲካዊ ባይታ ስግኣት ሓዲሩኒ ኣሎ’ ኢሎም ኣሜሪካዊ ኣባል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ሴነተር ክሪስ ኩንስ።

ንሶም ነዚ ሪኢቲ ዝሃቡ ‘ገለ ወገናት ዝፈልጥዎም ኣባላት ቤተ-ሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ‘ምፍርራሕ፣ ምንክልባትን ማእሰርቲን ከምዝወረዶም’ ገሊጾምሎም’ዮም’ ድሕሪ ምባሎም’ዩ።

ከምዝመስለኒ ይብሉ ንሶም ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ምልካዊ ስርዓት’ዩ ይቕየር ዘሎ፣ ሓቂ’ዩ፣ ዝተሓላለኹ ውሽጣዊን ዞባዊን ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣሰላልፋታት ኣለው፣ ኣጸጋሚ ሕሉፍ ታሪኽ ከምዘለዎም ይፈልጥ’የ’ ኢሎም ክሪስ ኩንስ።

‘ኮይኑ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ቀረባ ይወስዶም ዘሎ ሓይሊ ዝተሓወሶ ስግምቲ፣ ንናይ’ታ ሃገር ነዊሕ እዋን ስርዓተ ዴሞክራሲ ስግኣት’ዩ። ንቅቡል ኣሰራርሓታት መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝኾነት ሓንቲ ሃገር’ውን ዝጻረር’ዩ’ ኢሎም።

'ንሕና ዝዓበየ ደገፍ ካብ ዝገብራ ሃገራት ሓደ ኢና፣ ኣብ ሕርሻን ጥዕናን ኣዝዩ ዝራኣይ ምዕባለ ተዓዚብና ኢና። ስለዚ ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕን ፣ ኣብ ልዕሊ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ንዝራኣይ ዘሎ ጽዕንቶ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ሓሳብካ ምግላጽ ዘሎ ጸገም ንድሕሪት ንምድፋእን ዘኽእለና ዓቅሚ ኣለና’ ኢሎም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ።

XS
SM
MD
LG