ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተራእየ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ንምቁጽጻር ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወሰድ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጸዊዑ


ፋይል
ፋይል

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት/IMO/ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተልዓለ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ከምዘሎ ብምግላጽ ዝርግሓ’ቲ ሕማም ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ቅድሚ ምዃኑ ንምክልኻሉ ቕልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዑ።

ካብ ሰነ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ትካል ስደተኛታት/IOM/ እዋን ዝናብ ክኣትው ከሎ ኣስታት 60 ሚእታዊት ግዝኣት እታ ሃገር ብመንገዲ ምጉዓዝ ስለዘይክኣል ብሰንኪ’ዚ ሕማም ብዝሒ ናይ ዝሞቱ ክውስኽ ይኽእል እዩ ክብል የጠንቅቕ።

ወሃቢት ቃል እቲ ትካል ኦሊቪያ ሄደን ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር ኣዚዩ ከቢድ ዝገብሮ ቅልውላው ምቕፃሉ፣እዋኑ ዝናብ ምዃኑን ናይ ተመዛበልቲ ምንቅስቓስን እዩ ይብላ።

“ብሕማም ኮሌራ እንተድኣ ተለኺፍኪ ወይ ሓደ ካብ ስድራኺ በቲ ሕማም እንተድኣ ተታሒዙ እሞ ኸኣ ምስ ካልእ ሰብ እንተድኣ ተራኺቡ ኣብ ልዕሊኡ ናብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር እንተተንቀሳቒሱ እቲ ሕማም ሒዙዎ ይጉዓዝ ማለት እዩ።ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይኸውን ተስፋ ንገብር።ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ባይታ እናሰርሐ ይርከቡ።”

ኣብታ ብግጭት ትሕመስ ዘላ ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ልዕሊ 7.5 ሚሊዮን ምዃኑ ፀብፃብ’ቲ ትካል ወሲኹ ይገልፅ።ለበዳ ከም ኮሌራ ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ዝተመዛበሉን ንሓደጋ ዝተቓልዑን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ኣሽሓት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ሓደገኛ እዩ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን መሻርኽቱን ክታበት ኮሌራ ኣብ ምሃብን ናይ ፅርየት ናውቲ ኣብ ምዕዳልን ከምዝርከቡ ሄይደን ገሊፀን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG