ሶማል፡ናይሮቢ —
ብኻልእ ወገን ኸአ ሕማም ሸሮኽ አብታ ሃገር ይጋፋሕ ብምህላው ንጻዕርታት ረድኤት የተዓናቕፎ ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ መግብን ሕርሻን ዝለአኾም ሰብሞያ ናብቲ ብደርቂ ዝተጠቕዓ ዞባ ፑንትላንድ ሶማል ብምኻድ ንዝሓመማ አጣል ክታበት ከምዝወሃብ ንነበርቲ ከርእይዎም ኸለው ይርአዩ።
ዓሊ የሱፍ ዝተባህለ ነባሪ’ቲ ከባቢ 700 አጣል ከምዝነበርኦን ብሰንኺ ሕማምን ጥምየትን 200 ጥራይ ከምዝተረፋ ይገልጽ።
ሰራሕተኛታት አገልግሎት ጥዕና በብመዓልቱ ብውሑዱ 300 ሓደሽቲ ሰባት በቲ ለበዳ ዝተታሕዙ ከምዘለውን ኣብ ዝቕጽላ ሒደት አዋርሕ’ውን እቲ ኩነታት ክገድድ ከምዝኽእል ይገልጹ’ለው።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።