ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ሕሙማት ሸሮክ ይውስኽ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ሕሙማት ሸሮክ ይውስኽ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ሕሙማት ሸሮክ ይውስኽ ምህላው ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ሱዳን በቲ ግጭት ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ክልተ ሲሶ ትካላት ጥዕና ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኖም'ዮም ኢሎም። ኣብ ትካላት ጥዕና፣ መኽዘናት ሕክምና፣ ዝፍፀሙ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ኣምቡላሳትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ናብ ሆስፒታላት ከይበፅሑ ይገብሮም ኣሎ እውን ኢሎም።ንሶም ወሲኾም ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ ምቕፃሉ ሓቢሮም።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ረቡዕ 21 ሰነ 2023 ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኣብ ሱዳን ኽልተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣብ ዘሎ ግጭት፡ ንኣገልግሎት ጥዕና ደሪቱ ሓገዝ ጥዕና ንዘድልዮም 11 ሚሊዮን ሰባት ብከቢድ ሃስዩዎ ኣሎ ኢሎም። "እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና 46 መጥቃዕትታት ምፍፃሙን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣረጋጊፁ ኣሎ’’ ኢሎም።

ቁልፊ ዝኾኑ ህፁፅ ኣገልግሎታት ጥዕና ደው ምባሎም ብምግላፅ ኣብ ሱዳን ቀፃሊ ለበዳ ዓሶ ፣ ንፍዮን ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ሕማም ደንግን ምርኣዮም፡ ዝቕፅል ዝናብ ኣብ ግምት ብምእታው ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምርካብ ዝህልው ደረትን ምዝንባል ህዝብን ለበዳ ናይ ምልዓል ዕድሉ ክብ ዝበለ እዩ ኢሎም።

በቲ ህውከት ተሃሲዮም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ናብ ጎረቤት ሃገራት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ቻድ፣ ግብፂ፣ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝሃደሙን ሰባት ናይ ጥዕና ድልየቶም ንምምላእ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሓለፈ ሰሙን ናይ 145 ሚሊዮን ዶላር ናይ ሓገዝ ምሕፅንታ ምቕራቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ።

እቶም ዋና ዳይረክተር ኣብ ፔሩ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት እውን ተዛሪቦም ኣለው። ፔሩ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ዝኸፍአ ለበዳ ደንግ ህፁፅ ግዜ ኣዊጃ ኣላ ኢሎም። እዚ ናይ ኣውሮጳዊያን ሓዱሽ ዓመት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣስታት 150 ሽሕ ተጠርጠርቲ ሕሙማት ደንግ ተመዝጊቦም ኣለው። ዶ/ር ቴድሮስ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነፃፀር ከሎ ልዕሊ ክልተ ዕፅፊ ምውሳኹ ድማ ገሊጾም።

ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ሕማም ደንግ ኣብቶም ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብቕፅበት እናወሰኸ ይኸይድ ምሕላው'ውን ዶ/ር ቴድሮስ ሓቢሮም። ብሰንኪ ህቦብላ ኤል ኒኖ 2023፡ እቲ ሕማም ክውስኽ ይኽእል እዩ ብዝብል ውድብ ጥዕና ዓለም ብዝለዓለ ደረጃ ይዳሎ ምህላው'ውን ዶ/ር ቴድሮስ ሓቢሮም።

ብኻልእ ዜና ኣብ ኢትዮጵያ 7 ግንቦት 2023፡ 6,157 ዝነበረ ብዝሒ ሕሙማት ሸሮኽ (ኮሌራ) ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ብ 85 ሚእታዊት ብምውሳኽ 11,407 ምብፅሑን ምስቲ ሕማም ብዝተኣሳሰረ ድማ 156 ሰባት ምሟቶምን ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት/ኦቻ/ ገሊፁ።

እቲ ካብ ነሓሰ 2022 ኣትሒዙ ዝጀመረ ሕማም ሸሮኽ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝነውሐን ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ዘሎን እዩ ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ሕማም ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ኦሮሚያ፣ ሶማሊን፣ ደቡብን ሲዳማን ብጠቕላላ ኣብ 76 ወረዳታት እዩ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ መእትዊ ከተማ መተማ ምልክታት'ቲ ሕማም ዝተራእዮም ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው። ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተኻየደ ዳህሳስ ዝተረኸበ ጥርጡር እንተዘይሃለወ እውን ነቲ ሕማም ንምምካት ዘሎ ድልውነት ግን ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG