ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ሶማልያን ብዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ 113 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ሶማልያን ብዝተላዕለ ሓድሽ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) ልዕሊ 113 ሰባት ምሟቶም ተፈሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝሓለፍ ሓምለ ጀሚሩ 90 ሰባት ከምዝሞቱ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ ኣሎ።

5-ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ድማ በቲ ለበዳ ድሕሪ ምትሓዞም ሕክምና ከምዝረኸቡ እቲ ኢንስቲቱዩት ገሊፁ።

ቤት ጽሕፈት ጥዕና እቲ ክልል ለበዳ ከምዘሎ ብምርግጋፅ ብፍላይ ብብዝሒ ሰባት ዝተኣኻኸብሉ ከባቢ መሕፅቢ ማይ ፀሎት እቲ ኩነታት ዝኸፍአ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብን ንምርካብን ኣፀጋሚ ይኸውን ከምዘሎ ሓደ ብዓል ሞያ ሕክምና ሆስፒታል ደብረ ታቦር ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፁ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ክልል ሶማlያ ሕማም ሸሮኽ ነቶም ኣብ ቀረባ ብሰንኪ ብውሕጅ ዝተመዛበሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህፃናትን ስድቤትን ዘጋጥም ስቓይ የጋድዶ ከምዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ህጻናት ኣድሕን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራሕ በቲ ሕማም ምትሓዞም ዝተረጋግፁ 772 ሰባት ከምዝተመዝገቡ 23 ድማ ምሟቶም ሓቢሩ።

እቲ ብዝኸፍአ ዝተጠቕዐ ከላፎ ዝተባህለ ወረዳ ምዃኑ በቲ ሕማም ይጥቅዑ ዘለው ብዝሖም ይውስኽ ከምዘሎን ቀንዲ ዝጥቅዑ ዘለው ድማ 80% ዝኾኑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዑ ምዃኖም ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ሕማም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እንተወሓደ ኣብ 91 ወረዳታት ዝተርኣየ ክኸውን ከሎ ኣብ ጋምቤላ፣ ዓፋርን ሶማያን ዝናብ ምውቅዑ ብዝቐፀለ እዋን እቲ ኩነታት እናገደደ ክኸይድ እዩ። ኣብ እታ ሃገር ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ብዝወቕዐ ዝናብ፣ ውሕጅን ምንሽርታት መሬትን ሰፊሕ ምምዝባል ከምዘጋጠመን እንተወሓደ ሸሞንተ ቆልዑ ሓዊሱ 43 ሰባት ምሟቶምን ኣስታት 400 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ተሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG