ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ሕማም ሸሮኽ ንኩነታት ብደርቂ ዝተጠቕዓ ደቡባዊ ሶማል የጋድድ


ፋይል
ፋይል

ብሰንኪ ዝወረደ ዞባዊ ደርቂ ፍርቂ ህዝባ ንሓደጋ ዓፀቦ ዝተቓልዐ ሶማል ለበዳ ኮሌራ ንፃዕርታት ረድኤት ይተዓናቕፎ’ሎ ብፍላይ ኸአ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣል-ሸባብ ኣብ ዝርከቡ ገለ ናይ ገጠር ዓድታት ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝኸፍአ ምኳኑ ይግለጽ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከብ ዞባዊ ሆስፒታል በይ ብከብዲ ቅርጸት፣ብተምላስን ውፅኣትን ዝሳቐዩ ብዙሓት’ዮም።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ሶማልያዊያን ብሕማም ሸሮኽ ምጥቕዖም መብዛሕቲኦም ግዳያት ድማ ብሰንኪ ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ህፃናት ምኳኖም ተሓቢሩ።

ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኣ ፋጡማ ብሕማም ሸሮኽ ተጠቒዓ ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሳ ትርከብ።ወላዲት ኣዲኣ ቢሻሩ መሓመድ ካልኣይቲ ውላዳ ክትሞታ ከምዘይትደልይ ትገልጽ።

“ዓባይ ሓፍታ ነታ ሓሚማ ዝደቀሰት ህፃን ብውፅኣት ተሳቒያ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሞይታ፤ሸውዓተ ዓመታ እያ ነይራ።”

ኣብ ትካል ጥዕና ዓለም ክኢላ ሕማም ሸሮክ ዶ/ር ዓብዲናሲር ኣቡባካር ብሰንኪ ናይ ፀጥታ ፈተናታት እቲ ለበዳ እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ይገልፁ።

“ኣብ በይ፣ባኩል፣ማእኸላይ ጁባ፣ጌዶን ገለ ካልኦት ከባቢታትን እንተወሲድና ክንኣትዎም ኣይንኽእልን።ብቲ ሕማም ዝሞቱን ዝሓመሙን ብዙሓት እዮም።እቲ ኹነታት ድማ ካብዚ ከገድድ ምኳኑ ንፈልጥ ኢና።”

ኣብዚ ወርሒ ኣብ ደቡባዊን ማእኸላይን ሶማል ዝወቕዐ ዝናብ እቲ ሕማም ክጋፋሕ ከምዝገብረ ኣብ ዞባዊ ሆስፒታል በይ ተቖፃፃሪት ሳሊማ ሸኽ ሹዋይብ ይገልፃ።

ብዩኒሴፍን ትካል ጥዕና ዓለምን ዝሕገዙ ሰብ ሞያ ጥዕና ናይ ሕማም ሸሮኽ ክታበት ንህፃናት ክኸትቡ ናብ ከባቢ ባይዶዋ ክጉዓዙ እዮም።

ዶ/ር ኣቡበካር ግን ሓፈሻዊ ሰብኣዊ ኩነታት ከይተመሓየሽ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ሕማም ንምቁፅፃር ከቢድ እዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG