ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሕዝነት ቻይናን ኢትዮዽያን ዘጠናኸረ መገሻ ቀ/ሚ ሊ ኬቻያንግ


ቀ/ሚ ሊን ቀ/ሚ ሃይለማርያምን
ቀ/ሚ ሊን ቀ/ሚ ሃይለማርያምን
ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ኢንቨትስመንት ናይ ምትብባዕ ተበግሶ ከምዝወሰደት ተፈሊጡ።እዚ ዝተገልፀ ቀ/ሚ ሊ ኩኽያንግ፣ሃገሮም ኣብ ኣፍሪቃ ትትግብሮም ፖሊሲታት ንምንፃር ሎሚ ኣብ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ‘ዩ።

እቶም ቀ/ሚ ንርክባት ቻይና-ኣፍሪቃ ዝነፀረ ፖሊሲ ዘቃልሑ፣ኣብ‘ቲ ቻይና ንኣፍሪቃ ከም ገፀ-በረከት ለጊሳ ዝሃነፀቶ ሓድሽ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ‘ዩ።

መፃኢ ፖሊሲታት ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘፈረት ኢንዱስትሪ፣ፋይናንስ፣ ምንካይ ድኽነት፣ሓለዋ ከባቢ፣ባህላዊ፣ሰላምን ፀጥታን ክኸውን‘ዩ።

ቀ/ሚ ሊ ኩኽያንግ ንግዳዊ ርክብ ኣብ ሞንጎ ቻይና ኣፍሪቃን ንክሕይል ክሰርሕ‘የ ኢሎም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ መጠን ንግዳዊ ርክብ 270 ቢልዮን ዶላር‘ዩ።ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኣፍሪቃ ዝለገሰትላ መጠን ሓገዝ ድማ 75 ቢልዮን ዶላር‘ዩ ነይሩ።

ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ንሰላምን ፀጥታን ዝበለፀ ቆላሕታ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን፣ቻይና ግና ኣብ ንግዳዊ ርክባት‘ዩ ተቋምት ዘላ።

ቀ/ሚ ቻይና ሊ ኲክይንግ ፅባሕ ሰሉስ ምስ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ ንክራኸቡ መደብ ኣሎ።ድሕሪ መገሻ ኢትዮዽያ፣ቀ/ሚ ቻይና ኣብ ኬንያ፣ ናይጀርያን ኣንጎላን‘ውን ክበፅሑ‘ዮም።
ሙሉእ ፀብፃብ ይስምዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:10 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG