ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ነፋሪት ቻይና ናብ ነፋሪት ኣመሪካ ተጸጊዓ ምብራራ ይገልጽ


ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ነፋሪት ወግእ ቻይና ናብ B-52 ዝዓይነታ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ትርከብ ነታጕ ዝጸዓነት ነፋሪት ከምዝተፀግዐት ገሊፁ።

ሰራዊት ኣመሪካ ነፋሪት ውግእ ቻይና ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ትበርር ናብ ዝነበረት B-52 ዝዓይነታ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ትርከብ ነታጕ ዝጸዓነት ነፍሪት ብሰለስተ ሜትሮ ርሕቐት ተፀጊዓታ ሓደጋ ዳርጋ ክፍጠር ነይሩ ኢሉ። እዚ ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዞባ ፅልዋ ንምሕዳር ክቃለሳ ከለዋ ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ዘጉልህ እዩ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ቪዲዮ "24 ጥቅምቲ 2023 ናይ ህዝባዊ ሪፓብሊክ ቻይና ኣብራሪ ነፋሪት G-11 ውሑስ ብዘይኮነ ኣገባብ ሕጋዊ ልሙድ ስርሒት ኣብ ዝካየደሉ ደቡብ ባሕሪ ቻይና ትበርር ንዝነበረት ንነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ B-52ተ ፀጊዑ’’ ይብል።

ኣሶሴይትድ ፕረስ እቲ ቪዲዮ ዝተቐረፀሉ ዕለት፣ ቦታ ወይ ኩነታት ከረጋግፆ ኣይክኣለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG