ዋሽንግተን —
ቻይና ጉጅለታት ሕክምና ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ልኢኻ። 13 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ክኢላታት ሕክምና ካብ ወታሃደራዊ ዩኒቨርስቲ ሕክምና ቻይና ንሓደ ዓመት ሓገዝ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ሎሚ ሓሙስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዞም ኣለው።
በቲ ዩኒቨርስቲ ዝተመርሐ ጉጅለ ሰብ-ሞያ ሕክምና ን10ይ ጊዜ ናብ ኢትዮጵያ ይልኣኽ ምህላው መሓውራት ዜና ቻይና ሓቢሮም ኣለው።
ብተመሳሳሊ፡ ቻይና ንመበል 17 ግዜ ዝለኣኸቶ ሓደ ጉጅለ ሕክምና ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኤክስ(ኣቐዲሙ ትዊተር ዝፍለጥ) ገሊፁ። ነቲ ጉጅለ ሰብ-ሞያ ሕክምና ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣስመራ ሊ ሺያንግን ሚንስትር ጥዕና ኤርትራ ኣምና ኑርሑሴን ተቐቢሎምዎም ኣለው። እቶም ሓካይም ምስ ናይ ኤርትራ መዘናታቶም ንከባቢያዊ ማሕበረሰባት ኣገልግሎት ሕክምና ከምዝህቡ እቲ ሓበሬታ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣስመራ ይሕብር።
ቅጥዒ