ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂፒንግ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ቬትናም የካይዱ


ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂፒንግ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ቬትናም የካይዱ
ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂፒንግ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣብ ቬትናም የካይዱ

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂፒንግ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ኤስያን ጎረባብቲን ምሕዝነት ንምምሕያሽ ቬትናም ብቀጻሊ ናብ ምዕራባውያን ገጻ ምምዝዛዋ ንምቅዋምን ዝዓለመ ተልእኾ ብምሓዝ ሎሚ ሰሉስ ቬትናም ኣትዮም'ለዉ።

ፕረዚደንት ዢ ጂፒንግን በዓልቲ ቤቶምን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃኖይ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ቬትናም ፓም ሚንህ ቺንህ ተቀቢሎሞም።

ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቶም ምስ ፕረዚደንት ቮ ቫን ቶንግን ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ቬትናምን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ቬትናም ተራኺቦም ከም ዝዘራረቡን ነቲ ዘሎ ዘረኽቦም መስመር ባቡር ክብ ምባሉን ሓዊሱ ቁጠባዊ ምትሕብባራትን ሓያለ ስምምዓትን ክፈራረሙ እዮም።

እዚ ዑደት ፕረዚደንት ቻይና: ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ዑደት ብምክያድ ቬትናም ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ቦታን ሽርክና ሓፈሻዊ ስትራተጂን ድሕሪ ምሃቦምን ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ።

መንግስቲ ኣብ ዝውንኖ ጋዜጣ ቬትናም ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ ፕረዚደንት ዢ ጂፒንግ መጻኢ ኤስያ ኣብ ኢድ ኤስያውያን ደኣምበር ኣብ ኢድ ካልእ ኣይኮነን ምባሎም ኣስፊሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG