ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂፒንግ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ኤስያን ጎረባብቲን ምሕዝነት ንምምሕያሽ ቬትናም ብቀጻሊ ናብ ምዕራባውያን ገጻ ምምዝዛዋ ንምቅዋምን ዝዓለመ ተልእኾ ብምሓዝ ሎሚ ሰሉስ ቬትናም ኣትዮም'ለዉ።
ፕረዚደንት ዢ ጂፒንግን በዓልቲ ቤቶምን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃኖይ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ቬትናም ፓም ሚንህ ቺንህ ተቀቢሎሞም።
ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቶም ምስ ፕረዚደንት ቮ ቫን ቶንግን ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ቬትናምን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ቬትናም ተራኺቦም ከም ዝዘራረቡን ነቲ ዘሎ ዘረኽቦም መስመር ባቡር ክብ ምባሉን ሓዊሱ ቁጠባዊ ምትሕብባራትን ሓያለ ስምምዓትን ክፈራረሙ እዮም።
እዚ ዑደት ፕረዚደንት ቻይና: ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ዑደት ብምክያድ ቬትናም ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ቦታን ሽርክና ሓፈሻዊ ስትራተጂን ድሕሪ ምሃቦምን ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ።
መንግስቲ ኣብ ዝውንኖ ጋዜጣ ቬትናም ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ ፕረዚደንት ዢ ጂፒንግ መጻኢ ኤስያ ኣብ ኢድ ኤስያውያን ደኣምበር ኣብ ኢድ ካልእ ኣይኮነን ምባሎም ኣስፊሩ'ሎ።
ቅጥዒ