ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

1,000 ቻይናውያን ካብ መጭወይቲ ተገላጊሎም ንዓዶም ተፋንዮም


1,000 ቻይናውያን ካብ መጭወይቲ ተገላጊሎም ንዓዶም ተፋንዮም 20 የካቲት 2025.
1,000 ቻይናውያን ካብ መጭወይቲ ተገላጊሎም ንዓዶም ተፋንዮም 20 የካቲት 2025.

ብመንገዲ ኢንተርነት ኣብ ዝግበር ምድንጋርን ምኽዕባት ገንዘብን (ስካም) ተዋፊሮም ዝጸንሑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዜጋታት ቻይና፡ ካብ መይንማር ተለቒቖም ንዓዶም ኣምሪሖም።

እቶም ኣብ ዕጹዋ ማእከላት ተታሒዞም ብጊልያነት ዝመስል ምዝመዛ ክሰርሑ ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ድሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ድሕሪ ምልቃቖም’ዮም ናብ ጎረቤት ሃገር ታይላንድ ድሕሪ ምምራሕ ኣብ መወዳእታ ንቻይና ግዒዞም።

ቻይና፡ መይንማርን ታይላንድን ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ኣሽሓት ኣብ ምድንጋርን ናይ ኢንተርነት ዝምታን ዝዋፈሩ ማእከላት ንምዕጻው ምትሕብባር ክገብራ ተሰማሚዐን’የን። ኣብ መይንማር ኣብዚ ዘይሕጋዊ ስራሓት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኣስታት 10-ሽሕ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ንምልቃቕ መደብ ከም ዘሎ እቲ ዜና ይውስኽ።

ኣብዚ ስራሕ ዝዋፈሩ፡ ብገንዘብን ጽቡቕ ዕድላት ተዓሻሽዮም ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ ብመንገዲ ኢንተርነት ዝግበር መተዓሻሻዊ ማእከላት ተዓጽዮም ክሰርሑ ከም ዝግደዱ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ሰሙን ብተመሳሳሊ ስርሒት 138 ኢትዮጵያውን ብተመሳሳሊ ስርሒት ናጻ ከም ዝተለቐቑ ይዝከር።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG