ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ልዝብ ምስ ቻይና ክቕጽል ከምዝፍትኑ ይገልጹ


ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ፣ ቻይና ናይ ሳይበር ሴክዩሪቲ ስግኣት ትኸውን ከምዘላ ዝገልጽ ሪፖርት ዋላ’ውን እንተሰምዑ፣ ልዝብ ንክቕጽል ሎሚ ቅነ’ውን ከምዝፈተኑ ተገሊጹ።

ርክብ ቻይናን ኣመሪካን ጽቡቅ ኣብ ዘይባሃለሉ ጊዜ፣ ንሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ሄንሪ ኪሲንጀር ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ዝተቀበሉ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ዪንፒንግ ዝሓለፈ ግንቦት 100 ዓመት ዕድመ ዘቑጸሩ ኪሲንጀር፣ ካብ ሰብዓታት ጀሚሮም ናብ ቻይና ልዕሊ 100 ጊዜ መገሻ ከምዝፈጸሙ ጠቂሶም።

ሄንሪ ኪሲንጀር ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ናይ ቻይናን ኣመሪካን ምሕዝነት፣ ንሰላም ዓለም እምነ ኩርናዕ እዩ" ከምዝበሉ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኣመሪካዊ ልኡኽ ጆን ኬርይ ብወገኖም ቅልውላው ኩነታት ክሊማ ንምፍታሕ ከዕንቅፈና ዝኽእል ዝኾነ ምኽንያት ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ምኽንያቱ፣ እቲ ጸገም ዕድል ስለዘይህብ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG