ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝምድና ቻይናን ኣመሪካን ናበይ ገጹ?


ዝምድና ቻይናን ኣመሪካን ናበይ ገጹ?
please wait
  • Auto
  • 240p
  • 360p
  • 480p
  • 720p
  • 1080p

No media source currently available

0:00 3:24 0:00
  • Auto
  • 240p
  • 360p
  • 480p
  • 720p
  • 1080p

ዝምድና ቻይናን ኣመሪካን ናበይ ገጹ?

ሎሚ ዓርቢ ቻይና ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተነብረላ ወሰኽ ቀረጽ ዝግበኦም ግብረ-መልሲ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ፡ ምምሕዳር ዋሺንግተን ጠንቂ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት’ዩ ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ዓመታዊ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ ቻይና ብኣዝዩ ጥንቁቕ መንፊት ዝሓልፍ ጸብጻብ’ዩ ዘቕርብ። እቲ ኣጋጣሚ ድማ ቍጠባ ቻይና ናበይ ገጹ ከም ዝጓዓዝ ኣንፈት ይህብ።

ሎሚ ዓርቢ ግን ካብ ቅድሚኡ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ፡ ምምሕዳር ዋሺንግተን ንዓለማዊ ንግዲ የተዓንቕፍ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

“ምስላ ቻይናውያን ከም ዝጠቕሶ፡ ሓደ ነገር ምስ ዝፈሽል ፈለማ እቲ ምኽንያት ካብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ። ኣመሪካ ድማ እንታይ ከም ዘጋጠመ ደጊማ ነብሳ ክትፍትሽ ኣለዋ። እቲ ቀንዲ ክንሓቶ ዘድሊ ድማ ካብ ወሰኽ ቀረጽን ንግዳዊ ኲናት ዝተዓወተ ኣካል ኣሎ እንተዀይኑ ምሕታት’ዩ።”

እቲ ሚኒስተር፡ ብኣመሪካ ዝተነብረ ቀረጽ “ዘይሓላፍነታዊን ዘይተመዓራረየን፡” ክብል ገሊጹዎ።

ዳግም ናብ ዋይት-ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ በቲ ዝካየድ ዝበሎ ማዕነት ዘይሓለወ ንግዲ ንቻይና ክኸስስ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ድማ ንዘቤታዊ ኢንዳስትሪ ኣመሪካ ከም ዝሃስዮ ትራምፕ ይኣምን።

ኣብ ከምዚ ህሞት እምበኣር’ያ ቻይና ንነብሳ ከም ኣውሓሲት ዓለማዊ ንግዲ ኰይና ትቐርብ ዘላ።

“ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ኣብ ናይ ባዕላ ቀዳምነታት ጥራይ ምስ እተተኵርን ንናይ ካልኦት ጠለባት ኣብ ግምት ከየእተወት ምስ እትስረሕ ዓለም ናብ ሕጊ-ኣልቦነት ምተመልሰት።”

እቲ ደጋጊሙ ንዓለማዊ ምርግጋእ ዝጠቅስ ዝነበረ ዋንጋ ዪ ብዛዕባ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ታይዋን እትገብሮ ምፍርራሕ ግን ኣይሓብአን።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ቻይና ኣብ ከባቢ ማያት ታይዋን እትገብሮ ልምምድ ኣጽዒቓቶ ኣላ።

መልእኽቲ ቻይና ካብ ቅድሚኡ ዝተረረ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ። ተንተንቲ ግን በይንጂንግ ነቲ ንግዳዊ ኲናት ብጥንቃቐ ከም እትሕዞ’ዮም ዝኣምኑ።

ሊም ታይ ወይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሶኮ ጃፓን ዝምህር ፕሮፈሰር’ዩ።

"ኣብ ቅድሚ ዘቤታዊ ፖለቲካን ንህዝቦምን ተሪሮም ክርኣዩ ኣድላዪ’ዩ። ድሕሪኡ እቲ ዓይነት ቃና’ዩ ኣብቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝሰርጽ። እንተዀነ ኪንዮ’ቲ ንሃልኪ መራኸቢታት ዝብሃል ዘረባታት፡ እቶም ፖለቲከኛታት ነቲ ጉዳይ ከመይ ከም ዝፈትሑዎ መንገድታት’ዮም ዘናድዩ ዘለዉ።”

ቻይና፡ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተነበረ ወሰኽ ቀረጽ ግብረ-መልሲ ሂባ’ያ። እንተዀነ ኣብቲ ዝጅምር ዘሎ ንግዳዊ ኲናት ከይጕህሃር ብምስጋእ፡ ጥንቁቕ ኣካይዳ’ያ እተርኢ ዘላ።

ፕሮፈሰር ሊም ተይ ወይ ካብ ዩኒቨርስቲ ሶካ ቻፓን’ዩ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ ግምታት “ሰብ-መዚ ቻይና ከመይ ከም ዝገብሩን ከምምልሱን ገና ክሳብ ሎሚ ዝወሰኑ ኣይመስሉን። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣዝዩ ስሩዕ መስመር ንግዳዊ ልውውጥን’ዮም ክነጥፉ ጸኒሖም። ሎሚ ሓድሽ ማዕበል ምስ ሰዓበ ግን ከመይ ከም ዝሰግሩዎ ዝተዳለዉሉ ኣይመስሉን።”

ሃንደበትነት ምምሕዳር ኣመሪካ እምበኣር’ዩ ነታ ብስሩዕ ቅርጺ ምኻድ ዝለመደት በይጂንግ ኣብ ሓድሽ ግንባር ጸሚዱዋ ዘሎ። ምስ ግዜ ማዕረ ግብረ-መልሲ ክትህብ ወይ ድማ ኣብ ዘላቶ ክትነክስ ሓደኡ ክትውስን ክትግደድ’ያ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG