ዋሽንግተን —
ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ዩክሬን ንዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ኣፅዋር ኣይሸይጥን እየ ኢሉ። ሚንስትር ቺን ጋንግ ቤይጂንግ ንሩሲያ ወታሃደራዊ ሓገዝ ክትህብ ትክእል እያ ንዝብል ናይ ምዕራባዊያን ሃገራት ሻቐሎት ዝምልከት ዝሃብዎ ምላሽ'ዮም ነዚ ገሊጾም።
ቻይና ኣብቲ ግጭት ዘይሻራዊ መርገፂ ኣለኒ ክትብል ብተደጋጋሚ ትገልፅ። እንተኾነ ግን ምዕራባዊያን ብሰንኪ እቲ ወራር ንሩሲያ ንምግላል ኣብ ልዕሊኣ ቀፃዒ ማዕቐባት ኣብ ዘንበራሉ እዋን ቻይና ንሩሲያ ብፖለቲካን ብቁጠባን ትድግፋ እያ ዘላ።
ቺን ብዛዕባ ምሻጥ ኣፅዋር ንሩሲያ ብግልፂ ዝተዛረቡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቻይና እዮም። ቻይና እትልእኾ ኣቑሑ ከም እትቆፃፀር'ውን ወሲኾም ገሊፆም።