ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ኔቶ ዘቕረቦ ክሲ ብምንጻግ ተመሳሳሊ ህውከት ኣብ ኤስያ ከይፈጥር ተተሓሳስብ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና - ፋይል
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና - ፋይል

ቻይና፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ማለት ኔቶ ብዋጋ ካልኦት ጸጥታ ከኽብር ይደሊ`ሎ ኢላ ድሕሪ ምኽሳስ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ቻይና ተመሳሳሊ ዝበለቶ ህውከት ናብ ኤስያ ከይመጽእ ኣተሓሳሲባ። እዚ መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝስማዕ ዘሎ፡ ቻይና ኣብቲ ሩስያ ኣንጻር ዩክሬን ተካይዶ ኵናት ወሳኒ ተራ ኣለዋ ክብል ኔቶ ድሕሪ ምኽሳሱ`ዩ።

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኔቶ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቻይና ጣልቃ ምእታውን ንምስሊ ቻይና ምጽላም ጠጠው ከብሎ ኣለዎ ይብል።

ቻይና ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣይኩንን ድሕሪ ምባላ ምስ ኣመሪካ ኮነ ምስ ኤውሮጳውያን መሻርኽቲ ተባቲኻ`ያ። ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግዳዊ ሽርክነት ብምዕባይ ድማ እንተወሓደ ነቲ ንሩስያ ካብ ምዕራባውያን ዝመጻ ማዕቀብ፡ ጽልውኡ ብኸፊል ክተህድኦ ክኢላ`ያ።

ኔቶ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዘቓንዖ ዘሎ ዋዕልኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቻይና ምስ ሩስያ ደረት- ኣልቦ ሽርክነት ብምፍጣር ነቲ ኵናት ተንቀሳቕሶ`ላ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ወተሃደራት ቻይና ኣብዚ ቅንያት`ዚ ኣብ ቤላሩስ ወታሃደራዊ ልምምድ ምክያዶም`ውን ተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዝተራእየ ምዕባለ ኮይኑ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG