ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ንክትዓርቀና ሓቲትና'ያ ኣለና ይብሉ ምንስቲር ወፃኢ ሱዳን


ጉዳይ መተሓላለፍ ነዳዲን ድሕነት ቻይናውያን መዘራረቢ ነጥቢ ነይሩ

ምንስትር ወፃኢ ሱዳንን መራሕቲ ቻይናን፣ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ክፍሊት መተሓላለፊ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን፣ከምኡውን ኣብ ጉዳይ ድሕነት ቻይናዊያን ኣብ ሱዳን ተዘራሪቦም።

ምንስትር ወፃኢ ሱዳን ዓሊ ኣሕመድ ከርቲ፣ኣብ ቻይና ናይ ክልተ መዓልቲ መገሻ ኣብ ዝፈፀምሉ እዋን፣ቻይና ነቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክፍሊት መተሓላለፊ ነዳዲ ኣብ ምድቃስ ንክተሐግዝ ፀዊዖም‘ዮም።

“ኩባንያታት CNPBCን ፔትሮናስን‘ውን፣ኣብ ምትዕራቅ ሪኢቶኦም ንክልግሱ ዓዲምናዮም ኢና።ቻይና፣ማሌዥያን ህንድን‘ውን ኣብ ምፍታሕ እቲ ምስሕሓብ ሪኢቶአን ንክልግሳ ተዓዲመን‘የን” ኢሎም እቶም ምንስትር ወፃኢ።

ደቡብ ሱዳን ብመሰረት ቅድሚ 7 ዓመት ዝተኸትመ ውዕል ሰላም፣ዓሚ ንናፅነት ከምዘድመፀት ዝዝከር‘ዩ።እቲ ምፍታሕ ዝበዝሐ ፀጋታት ነዳዲ ኣብ ግዝኣት ደቡብ ሱዳን ክኣቱ ገይሩ‘ዩ።እንተኾነ እቲ ነዳዲ ናብ ወፃኢ ሃገር ንክሽየጥ ብሱዳን ኣቢሉ‘ዩ ዝሓልፍ።

ቻይና‘ያ እታ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዝዓበየት ኣብ ዘፈር ነዳዲ ዝተዋፈረት ሃገር።ደቡብ ሱዳን መሸጣ ነዳዲ ቅድሚ ምንካያ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፣ቻይና ካብ‘ቲ ዞባ ትረኽቦ ዝነበረ መጠን ነዳዲ ሓሙሽተ ሚእታዊ ካብ ሙሉእ ጠለባ ነይሩ።

ወሃቢ-ቃል ምንስትር ወፃኢ ቻይና ሆንግ ሌይ፣ምስ ምንስትር ወፃኢ ሱዳን ዝተሳለጠ ዝርርብ፣ንኩነታት ፀጥታ ከምኡውን እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሱዳን ይሕይል ዘሎ ውጥረት ዘማእከለ ነይሩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG