ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብርቱዕ ህቦብላ ናብ ወሰናስን ማያት ቻይና የምርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ


ብርቱዕ ህቦብላ ናብ ወሰናስን ማያት ቻይና የምርሕ ከምዘሎ ኣብ ጥቃ ወደብ ንንባ ንዘሎ ከባቢ ድማ ሎሚ ረቡዕ ከጥቅዕ ትጽቢት ተጌሩ'ሎ ።

ትማሊ ሰሉስ ምሽት ዳርጋ 720 ሽሕ ሰባት ካብ ወሰናስን ማያት ክፍለ ግዝኣት ሺዣንግ ናብ ዉሑስ ከባቢታት ክወጹ ከምዝተገብረ መንግስታዊ ተለቪዥን ቻይና ሲሲቲቪ ሓቢሩ'ሎ።

ብሰንኪ'ዚ ሓያል ህቦብላ ሓያለ በረራ ተሰሪዙ'ሎ። ልዕሊ 11-ሽሕ ጀላቡ ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ወደብ ክፍለ ግዝኣት ሺዣንግ ተመሊሰን'ለዋ።

ብመሰረት ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝርከቡ ተዓዘብቲ ህቦብላ ሙኻ ኣብ ሰዓት 145 ኪ.ሜ እናተወንጨፈ ናብ ሰሜናዊ ምብራቅ እታ ሃገር የምርሕ ምህላው ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG