ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና: ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ጁቡቲ ንምቛም መራኽባ ኣዋፊራ


ቻይና አኻታዒ ዝኾነ ሓድሽ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ወሲዳ’ላ። ቻይና ንመጀመርያ ጊዜ ወታሃደራዊ መደብር ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምምስራት መራኽባ ናብ ወደብ ጅቡቲ ትማሊ ተበጊሰን ኣለዋ።

እዚ ናይ ቻይና ውሳኔ ንጎረባብታ ሃገራት ዘሻቐለ ኽከውን ኸሎ ብፍላይ መደብራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንምግባር ምውሳና ንሃገረ ህንዲ አተሓሳሳቢ ኮይኑ’ሎ።

መራኽብ ቻይና ወታሃደራዊ መደብር ኣብ ጅቡቲ ንምምስራት ተበጊሰን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:09 0:00

ህንዲ እቲ ወደብ አካል ናይቲ ቻይና ሓይላ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብባሕሪ ትዝርግሖ ዘላ ወታሃደራዊ ኪዳን ከይኸውን ከምዘስግዓ ክትገልጽ ኸላ ቻይና ግን እቲ መደበር ንሎጀስቲካዊ መሳለጥያ ጥራይ ምኳኑ ትገልጽ አላ።

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሃን ቻይና እቲ መደበር ንዓቓብ ሰላም ልዑኻትን ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ዞባን ከምዘገልግል ይኹን ደአ እምበር ኣብ ምውሓስ ስትራቴጂ ባሕሪ ንወታሃደራዊ ስርሒታት ከምትጥቐመሉ ገሊጸን አለዋ።

እቲ መደበር ስርሑ መዓስ ከምዝጅመር እንተዘይተገለጸ ኣብቲ ወደብ ግን እቲ እንኮ ናይ ወጻኢ መደበር ኣይኾነነ።

ኣብ ጅቡቲ ወታሃደራዊ መደበራት ኣሜሪካ፡ጃፓንን ፈረንሳን ከምዝርኸቡ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG