ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ን26 ሚልዮን ነበርቲ ሻንጋይ ንምምርማር ወታሃደራትን ሓካይምን ናብታ ከተማ ትልእኽ


ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ሻንጋይ ከተማ
ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ሻንጋይ ከተማ

ቻይና ኣብ ቀረባ መዓልታት ብብዝሒ ቫይረስ ኮሮና ናብ ዝተረኣየላ ሻንጋይ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ጥዕናን ወታሃደራትን ልኢኻ።ብሰንኪ ዝተራእየ ብዝሒ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና እታ ከተማ ካብ እትዕጸው ክልተ ሰሙን ኣቑጺራ'ላ።

ብሰራዊት ቻይና እትሕተም ጋዜጣ ከምዝገለፀቶ ልዕሊ 2,000 ሰራሕተኛታት ጥዕና ናብታ ከተማ ተበጊሶም ኣለው።ልዕሊ 10,000 ሰራሕተኛታት ጥዕና ሎሚ ሶኑይ ኣብ ሻንጋይ ክኣትው እዮም።

ቻይና መርመራ:ምክትታልን ምውሻብን ኩሎም ኣወንታዊ ውጽኢት ቫይረስ ኮሮና ዘለዎን መቕርቦምን ዝብል ስትራቴጂ ኣብ ምትግባር ትርከብ።

ይኹን ደኣ እምበር ነበርቲ እዚ ስትራቴጂ ብዝሒ ሰባት ኣብ መወሸቢ ቦታታት ከምኡ'ውን ሕጽረት መግቢ ኣብዘን ማእከላት የስዕብ ከምዘሎ ይነቕፉ።

XS
SM
MD
LG