ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራውያን መራሕቲ ቻይና ምስ ኣመሪካውያን መዛኑኦም ንምርኻብ ይኣብዩ


ሚኒስተር ምክልኽል ቻይና ሊ ሻንግፉ -ፋይል
ሚኒስተር ምክልኽል ቻይና ሊ ሻንግፉ -ፋይል

ሚኒስተር ምክልኽል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ምስ ቻይናዊ መዘናኦም ሊ ሻንግፉ ኣብ ሲንጋፖር ተራኺቦም ንምዝታይ ዝገበሩዎ መደብ፡ ቻይና ነቲ ዕድመ ከም ዝነጸገቶ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። ወሃብ-ቃል ፔንታጎን፡ ኣመሪካ በዚ ምንጻግ ዕድመ ከይተሰናኸለት ምስ ቻይና እትገብሮ ርክብ ክትቅጽል ምዃና ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ።

ቻይናዊ ወሃብ-ቃል፡ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ብዛዕባ’ቲ ምስራዝ ርክብ ብፍሉይ ኣይጠቐሰን። እንተዀነ እቲ ወሃብ-ቃል ዝርዝር ናይቲ ተወጢኑ ዝነበረ መደባት ከይሃበ፡ “ሰብ-መዚ ኣመሪካ ነቲ ርክብ ኣሻሕኪሩ ዘሎ ምክንያታት ኣጸቢቖም ይፈልጡ’ዮም። ኣመሪካ ድማ ኣብ ጉዳይ ቻይና ዘይሻራዊን ናጻን መንገዲ ክትሕዝ ኣለዋ፡” ኢሉ።

ወታሃደራውያን መራሕቲ ቻይና ብፔንታጎን ዝቐርበሎም ዕድመ ርክብ ደጋጊሞም ክሕሰሙዎ ምጽናሖም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ወሲኹ ጠቒሱ። ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ዝምድና ኣዝዩ ዝሃሰዮ ድማ ርክብ መራሕቲ ኣመሪካ ምስ ታይዋንን ናይ ቻይና ዝተባሃለት ኣብ ከባቢ ማያት ኣመሪካ ከተንሳፍፍ ዝተኸበት ፍሕኛ (ባሉን)ን ካብቶም ዝጥቀሱ’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG