ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ንወሰኽ ቀረጽ ሕ/ ኣውሮጳ ብዝምልከት መሰላ ከምተሕልው ሓቢራ


ቻይና ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝኣትዋ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መኻይን ከንብሮ ተሓሲቡ ዘሎ ሓዱሽ ተወሳኺ ቀረጽ ብዝምልከት ክሲ ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ከተቅርብ “መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ” ሎሚ ሓሙስ ገሊፃ ክብል ኣሶሼትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣውሮጳ ዝለዓለ ዝስላዕ ድጎማ ዝመበገሲኡ ካብ ዝመፅእ ወርሒ ዝጅምር ስጋብ 38 % ዝበፅሕ ተወሳኺ ቀረፅ ኣብ ልዕሊ ካብ ቻይና ዝኣትዋ መኻይን ኤሌክትሪክ ከንብር ምዃኑ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ኣጠንቂቑ ኔሩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ንግዲ ቤይጂንግ ሄ ያዶንግ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “ ቻይና መሰልን ረብሓን ኩባንያታት ቻይና ብፅኑዕ ንምክልኻል ስጋብ ናብ ትካል ንግዲ ዓለም ናይ ምኽሳስን ኩሉ ዘድሊ ስጉምቲታት ናይ ምውሳድን መሰላ ዝተሓለወ እዩ” ክብሉ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

“ብወገን ኣውሮጳውያን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ሕግታት ትካል ንግዲ ዓለም ዝጠሓሰን ኣብ ጥራሕ ሜዳ ዝግበር ዘሎ ባህሪ ምክልኻል ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎ” እቶም ወሃቢ ቃል ይገልጹ።

ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ ትማሊ ሮቡዕ “ዘይፍትሓዊ ድጎማ ቻይና ንዕዳጋ መኻይን ኤሌክትሪክ ኣውሮጳ ስግኣት ሓደጋ ቁጠባ የስዕብ ምህላዉ” ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን ሚኒስትሪ ንግዲ ቻይና ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዝሃብዎ መግለፂ ብዛዕባ ሃገሮም ክትወስዶ እትኽእል ግበረ መልሳዊ ስጉምቲ ተሓቲቶም መብርሂ ኣይሃቡን።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG