ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ኣስታት 51 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንኣፍሪቃ ከምትልግስ ኣፍሊጣ


ቻይና ኣስታት 51 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንኣፍሪቃ ከምትልግስ ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:20 0:00

ቻይና ኣስታት 51 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንኣፍሪቃ ከምትልግስ ኣፍሊጣ

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ነታ ጾር ዕዳ ዝበዝሓ ኣፍሪቃ ኣስታት 51 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝወሃብ ኣፍሊጦም። ተወሳኺ ፕሮጀክታት ትሕተ-ቅርጺ ክህነጹን ን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ስራሕ ክፍጠሩን እዮም ክብሉ'ውን እቶም ፕረዚደንት ሓቢሮም።

ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ጽላታት ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ፣ ትሕተ-ቅርጺ፣ ንግድን ወፍሪን ተሓባቢራ ክትሰርሕ ምዃና ተገሊጹ'ሎ። ኣብ’ቲ ኣብ ሰለስተ ዓመት ሓንሳብ ዝዳለው ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ፡ "ቻይናን ኣፍሪቃን፣ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ዓለም ይሕዛ። ንሕና እንተዘይማዕቢልና፣ ምዕብልቲ ዓለም ምፍጣር ኣይከኣልን’ዩ" ኢሎም።

ኣብ ዓለም ዝዓበየት ወሃቢት ልቓሕ ኮይና ዘላ ቻይና፣ ኣብ መላእ’ታ ብተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ኣፍሪቃ፣ ሰለስተ ዕጽፊ ህንጸታት ትሕተ-ቅርጺ ከምተካይድ ቃል ኣትያ ኣላ። ፕረዚደንት ሺ ነቶም ፕሮጀክታት "ናኣሽቱን ውቁባትን መደባት" ኢሎም ክጠቅስዎም ከለው፣ ቻይና ትዋፈረሉ ኣገባብ ድማ ንዘመናዊን ተሓዳሳይ ቴክኖሎጂን ብምሻጥ ከምዝኾነ ሓበሩ።

እቶም መራሒ ቻይና 360 ቢልዮን ዩኣን ወይካኣ 50.70 ቢልዮን ዶላር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ከምዝልገስ፣ 210 ቢልዮን ዶላር ብመልክዕ ልቃሕ፣ ብውሑድ 70 ቢልዮን ዶላር ድማ ሓድሽ ወፍሪ ብኩባንያታት ቻይና ከምዝሳለጥ ኣፍሊጦም።

ንእስ ንእስ ዝበሉ ሓገዛት፣ ንኣፍሪቃ፣ ብመልክዕ ወትሃደራዊ ደገፋትን ካልኦት ፕሮጀክታትን ከምዝወሃቡ'ውን እቶም ፕረዚደንት ሓቢሮም ኣለው።

ቻይና ኣብዚ ጊዜ'ዚ ትልግሶ ገንዘብ ብናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ‘ዩኣን’ ዩ። እዚ ማለት፣ ቻይና ንገንዘባ ዓለምኻዊ ባጤራ ክትገብሮ ዘለዋ ውጥን ዘመላኽት'ዩ።

ፕረዚደንት ሺ ቻይናን ኣፍሪቃን፣ ብምድሪን ብባሕሪን ንክራኸባ ከምኡውን ዝተኣሳሰረ ምዕባለ ክትግብራ ጸዊዖም። ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ከምልቦም ንከይንቀሳቀሱ ተኣጊዶም ዝነበሩ ቻይናዊያን፣ ናብ ኣፍሪቃ ንክምለሱ’ውን ኣዘኻኪሮም።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣብቲ ዋዕላ መደረ ዘስምዑ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ "ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ጾር ዕዳ ዘይምቅላሉ ከምኡውን ውሑድ ጸጋታት ኣብ ጥቅሚ ምውዓሉ፣ ጠንቂ ማሕበራዊ ህውከት እናኾነ ይመጽእ ኣሎ" ኢሎም።

ልቃሕ ኣፍሪቃ፣ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝተፈላለየ እዩ። ንከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት፣ ንቻይና ስዒባ ተልቃሓ ስዑዲ ዓረብ እያ። ንኬንያ ድማ፣ ንሃገራት ኣውሮጳ ሓዊስካ ዝተፈላለያ ሃገራት የልቅሓኣ። ከም ባንኪ ዓለምን ውልቀ ትካላት’ውን ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣለቂሖምወን እዮም።

እቲ ሓባራዊ መድረኽ፣ ንዝቅጽሉ ሰለስተ ዓመታት፣ ቻይና ብዘይካ’ታ ምስ ታይዋን ጽምዶ ዘለዋ እስዋቲኒ፣ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ትፍጽሞም መደባት ዘርዚሩ ኣሎ።

ቻይና ዝሓለፈ ዓመት ንሃገራት ኣፍሪቃ 4.61 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ፈቂዳ ነይራ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተሳተፉ ሰብ-መዚ ሃገራት ኣፍሪቃ ሚንስተር ሃብቲ ዓሳ ሴራልዮን ፕሪንሰስ ዱግባ ‘ምስ ቻይና ዘለና ጽምዶ ከመይ ክጠናኸር ከምዝኽእል ንምልዛብ እየ ናብ’ዚ መጺኤ ዘለኹ’ ከምዝበላ ሮይተርስ ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG