ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና፤ ሓደጋ ሓዊ ቤት መግቢ 31 ሰባት ይቐትል፡ ሸውዓት የቝስል


ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቻይና መብሰሊ መግቢ ጋዝ ሓደ ቤት መግቢ ድሕሪ ምፍንጃሩ 31 ሰባት ቀቲሉ ሸውዓተ ድማ ምቑሳሉ ሰብ-መዚ ቻይና ይሕብሩ።

እዚ ትማሊ ረቡዕ ለይቲ ኣብቲ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝንቀሳቐሰሉ ጎደና ናይ ዪሹዋን ዘጓነፈ ሓደጋ፡ ህዝቢ ንፈስቲቫል ይዳሎ ብምንባሩ ነቲ ሓደጋ መሊሱ ከም ዘገደዶ ኣገልግሎት ዜና ሽንሁዋ ሓቢሩ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ፍተሽኦም ሎሚ ሓሙስ ክዛዝሙ እንከለዉ፡ ጠንቂ ናይቲ ምብራዕ ግን ዛጊት ኣይተነጸረን።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ኣብቲ ከባቢ ዝዓበየ ጥንቃቐ ክግበር ትእዛዝ ምሕላፎም ሺንሁዋ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG