ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ዓቀብቲ ሰላም ወታሃደራት ናብ አሰሓሓቢ ዶብ ኤርትራን ጅቡቲን ንምልኣኽ ዘለዋ ድልየት ገሊጻ


china ships in djibouti
china ships in djibouti

ቻይና ወታደራት ቐጠር ገዲፎምዎ ናብ ዝወፁ ንኤርትራን ጅቡቲን ናብ ዘሰሓሕበን ዶብ ዓቀብቲ ሰላም ወታደራት ንምልኣኽ ድልየት ከምዘለዋ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዴፕሎማት ቻይና ኩዋንግ ወይሊን ሎማዕንቲ ዓርቢ ገሊፆም።ወታደራዊ ተራ ቻይና ኣብ ወፃኢ ሃገራት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ንሶም ንአሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ቻይና እንተድኣ ተሓቲታ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ምስሕሓብ ክትዓርቕ እያ ክብሉ ገሊፆም።

ቻይና ኣባላት ሰራዊታ ኣብዚ ወርሒ እዚ ናብ ጅቡቲ ልኢኻ’ላ።እዚ ኣብ ወፃኢ ሃገር ንፈለማ ግዜ ወታደራዊ መደብር ዝኸፈተትሉ ፍፃመ ኮይኑ’ሎ።

ኤርትራን ጅቡትን ኣብ 2010 ዓ.ም. ቶኽሲ ደው ንምባል ድሕሪ ምስምምዐን ቐጠር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 450 ዓቀብቲ ሰላም ወታደራታ ካብ ኣሰሓሓቢ ከባቢ ጎቦ ዱመሪያ ስሒባ።

ኩዋንግ ወይሊን ብተወሳኺ ቻይና ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ጅቡቲን ብሰላም ክፍታሕ ተስፋ ኣለዋ ኢሎም ኣለው ።

ኣብታ ንእሸተይ ግን ስትራተጂያዊት ሃገረ ጅቡቲ ኣሜሪካ፣ፈረንሳ፣ብሪጣንያ፣ጃፓንን ካልኦትን ሃገራትን ወታደራዊ መደበር ኣለወን።ቻይና እዚ ናይ ጅቡቲ መደብራ ናይ ምክልኻል ተኽእሎታት ዘይብሉ ንሎጂስቲካዊ ዕላማ ጥራሕ ዝዓለመ ምኳኑ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG